Retour
Explorez tous les épisodes du podcast SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Plongez dans la liste complète des épisodes de SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ. Chaque épisode est catalogué accompagné de descriptions détaillées, ce qui facilite la recherche et l'exploration de sujets spécifiques. Suivez tous les épisodes de votre podcast préféré et ne manquez aucun contenu pertinent.
| Titre | Date | Durée | |
|---|---|---|---|
| #111 Water problems at home? |Talking to a plumber (Med) - #111 ኣብ ገዛ ብዛዕባ ማይ|ዝርርብ ምስ ሰራሒ ቡምባ። Water problems at home? |Talking to a plumber (Med) | 26 mai 2026 | 00:10:10 | |
Learn English useful for describing plumbing problems at home. Practise everyday phrases for explaining issues, asking about cost, and arranging repairs. - ኣብ ገዛ ንዘሎ ናይ ቡምባ ጸገማት ንምግላጽ ብእንግሊዝኛ ንጥቀመሉ ኣገላልጻ ንመሃር ። ብዛዕባ ዋጋ ንምሕታትን ጽገና ንምሕታትን መዓልታዊ ሓረጋት ልመድ ። Learn English useful for describing plumbing problems at home. Practise everyday phrases for explaining issues, asking about cost, and arranging repairs. | |||
| A guide to fuel types in Australia | Fuel in Focus - ዓይነታት ነዳዲ ኣብ ኣውስትራሊያ | ኣተኩሮ ኣብ ነዳዲ | 26 mai 2026 | 00:06:50 | |
Drivers across Australia are paying more at the bowser as fuel prices remain unstable. So does it make sense to go for cheaper petrol options when filling up? The answer depends largely on your engine requirements, as not every fuel works for every vehicle. - ዋጋ ነዳዲ ርጉእ ኣብ ዘይኮነሉ ኩነታት፡ ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ዘለዉ መራሕቲ መካይን ነዳዲ ንምዕዳግ ብዙሕ ገንዘብ ይኸፍሉ ኣለዉ ። ስለዚ ፡ ነዳዲ ኣብ እትመልኣሉ እዋን ናብ ዝሓሰረ ናይ ነዳዲ መማረጺታት ምኻድ ርትዓዊ ድዩ? መልሲ ናይዚ ሕቶ ፡ ነፍሲ ወከፍ ማኪና ዝደልዮ ዓይነት ነዳዲ ስለዝፈላለ ብቐንዱ ኣብ ዓይነትን ድልየትን ሞተርካ እዩ ዝምርኰስ ። | |||
| ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (26 ግንቦት 2026) | 26 mai 2026 | 00:04:55 | |
ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ክመሓየሽ እንተኮይኑ ጉዳይ ዶብ ብግዝያዊ ስምምዕ ክድቅስ ከምኡ'ውን ንተጠቃምነት ወደብ ዓሰብ ስምምዕ ክግበርን ከምዘድሊ መንግስታዊ ትካል መጽናዕቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ። ** ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ዉልቂ ኣባላት ፓርላማ " ሓድሽ ፖለቲካዊ ሰልፊ ንምቛም” ኣብ ዘተ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ... ** ሜክሲኮ ንሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢራን ኣብ እዋን ዋንጫ ዓለም ፊፋ ከተአንግድ ተሰማሚዓ። ... ** ካልኣይ ጉጅለ ምስ እስላማዊ መንግስቲ (Islamic State) ዝጸንሑ ቆልዑን ኣንስትን ኣውስትራሊያዊያን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ትኬት ነፋሪት ምዕዳጎም ተፈሊጡ ። | |||
| ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (25 ግንቦት 2026) | 25 mai 2026 | 00:42:42 | |
ን ሎሚ ሰኑይ 25 ግንቦት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ እዞም ዝስዕቡ እዮም፡ | |||
| ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (25 ግንቦት 2026) | 25 mai 2026 | 00:07:55 | |
ኣርእስታት ዜና፥ ሎሚ ፌደራላዊ ምርጫ እንተ ዝካየድ ነይሩ ፡ ሰልፊ ዋን ኔሽን ክሳዕ 59 ዝዀኑ መናብር ታሕተዋይ ባይቶ ክሕዝ ይኽእል እዩ ክብል ሓድሽ መጽናዕቱ ኣፍሊጡ። ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ኣፍደገ ዋይት ሃውስ ዝተገብረ ናይ ተኹሲ ምልውዋጥ ዝምልከት ምርመራታት ይቕጽሉ ኣለው ። ኢትዮጵያ 'ሓድሽ መጠነ ሰፊሕ ግጭት' ንምጅማር ኣብ ቀረባ ከምትርከብ ጉጅለታት መሰላት ብምጥንቃቕ ህጹጽ ኣህጉራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ጸዊዖም። ዌስት ሃም ዩናይትድ ፡ ካብ ዝርዝር ጋንታታት ፕሪሜር ሊግ እንግሊዝ ክትወርድ’ከላ ቶተንሃም ግን ንስክላ ድሒና። | |||
| MiniPod: GOAT | Words we use - MiniPod: GOAT | Words we use | 25 mai 2026 | 00:03:36 | |
Learn a new phrase and make your English sound more natural and interesting. Words We Use is a bilingual series that helps you understand idioms like 'GOAT'. - Learn a new phrase and make your English sound more natural and interesting. Words We Use is a bilingual series that helps you understand idioms like 'GOAT'. | |||
| ኣብ 24 ግንቦት፡ "ሰራዊት ናብ ኣስመራ ክኣቱ የብሉን ዝብል መልእኽቲ ናይ ኢሳያስ ብመገዲ ሸሪፎ ኣቢሉ'ዩ መጺኡና።" ተጋ/ ዳኒኤል ጋርዛ | 25 mai 2026 | 00:34:12 | |
ኣብ ዉሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ንመበል 35 መዓልቲ ነጻነት የኽብር ኣሎ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ካብቶም ኣብ 24 ግንቦት 1991 ናብ ኣስመራ ዝኣተዉ ናይ ፈለማ ተጋደልቲ ዝኾነ ዳንኤል ጋርዛ ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ንድሕሪት ተመሊሱ ስምዒቱ እንታይ ከምዝነበረን ዝተፈጸመ ኩነታትን ኣዘንትዩልና ኣሎ። Check out our podcast collection here | |||
| Second-hand EV sales are surging - even classic cars are going electric - መሸጣ ዘገልገላ (Second-hand) ናይ ኤሌክትሪክ መካይን (EVs) ብናህሪ ይውስኽ፣ ናይ ቀደም (classic) መካይን'ውን ናብ ኤሌክትሪክ ይቕየራ | 24 mai 2026 | 00:07:22 | |
Australia’s electric vehicle (EV) market hit a new record in April. And sales of second-hand EVs are soaring too. Some owners are also converting classic cars. - ዕዳጋ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ኣውስትራልያ ሓድሽ ክብረወሰን ኣመዝጊቦም። መሸጣታታት ካልኣይ ኢድ ወይ ዘገልገላ ናይ ኤሌክትሪክ መካይን (EVs) ድማ ብተመሳሳሊ ብናህሪ ወሲኾም። ገለ ሰብ መካይን’ውን ንህቡባት ናይ ቀደም ቅዲ (ክላሲክ) መካይኖም ናብ ኤሌክትሪክ ይቕይርወን ኣለዉ። | |||
| ወግዓዊ ጽንብል መበል 35 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ብልዑል ድምቀት ተኻዪዱ። (ጸብጻብ) | 24 mai 2026 | 00:10:39 | |
ኣብ ናይ ሎሚ ጸብጻብ ል ኡኽና ብፍላይ ብዛዕባ ምኽባር ወግዓዊ ጽንብል መበል 35 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ዘተኩር ክኸውን እዩ። | |||
| ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (21 ግንቦት 2026) | 21 mai 2026 | 00:11:00 | |
ኣርእስታት ዜና፥ ፕረዚደንት ዩ-ኤስ ዶናልድ ትራምፕ ፡ ምስ ኢራን ዝግበር ዘተ ሰላም ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃኡ ከም ዝርከብ ገሊጹ ። ውድብ ጥዕና ዓለም ፡ ነቲ ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዘጋጠመ ኢቦላ ንምምካት ፡ መከላኸሊ ናውትን ናውቲ ሕክምናን ንምቕራብ ተዳልዩ ከም ዘሎ ገሊጹ ኣሎ ። ደገፍቲ እንግሊዛዊት ጋንታ ኣርሰናል ድሕሪ 22 ዓመታት ጋንታኦም ብምስዓራ ሓጎሶም ክገልጹ ዊዒሎም ሓዲሮም። Check out our podcast collection here | |||
| ጎደናታት ከተማ ኣስመራ፡ ንመበል 35 ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ንምቕባል ምዕሩግ ባህላዊ ካርኒቫል ቀሪቡ። (ጸብጻብ) | 20 mai 2026 | 00:09:59 | |
ኣውስትራሊያ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገራዊ ፓርክ እምባታት ባሌ ንዝተኻየደ መደብ ስልጠና ሓለውቲ ፓርክ ሓገዝ ገይራ። ፖለቲካውን ወተሃደራውን ሓይልታት ዝሓቘፈ "ቤት ምኽሪ ሰላምን ለውጥን" ኣብ ትግራይ ብዕልዋ ስልጣን ዝተቖጻጸረ ሓይሊ ከኣሊ ምዃኑ ገሊጹ። ህወሓት ብወገኑ " ንመድረኻዊ ቃልሲ ምርግጋፅ ህልውና ኣብ ሓደ ንዕሰል" ክብል ጸዊዑ። ንመበል 35 ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ቀንዲ ጎደናታት ከተማ ኣስመራ፡ ምዕሩግ ባህላዊ ካርኒቫል ቀሪቡ። ኤርትራ ዓንዲ ማእከል ጸጥታን ምርግጋእን ቀርኒ ኣፍሪቃ እያ'- ክብል ግብጻዊ ሚኒስተር ተዛሪቡ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ጥቓ ዶብ ኢትዮጵያ ክልተ ተወሰኽቲ ስትራቴጂካዊ ቦታታት መሊሱ ከምዝተቖጻጸረ ኣፍሊጡ። Check out our podcast collection here | |||
| ለበዳ ኢቦላን ምላሽ ዉድብ ጥዕና ዓለምን : | 20 mai 2026 | 00:07:38 | |
ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎን ኡጋንዳን ሕማም ኢቦላ ናይ ህጹጽ ኩነታት ከምዝኾነ ኣዊጁ ኣሎ ፡ እዚ ድማ ንማሕበረሰብ ዓለም ዘሰክፍ ህጹጽ ናይ ጥዕና ጸገም እዩ ኮይኑ ። ውድብ ጥዕና ዓለም ንቅጥዕታት ናይ ለበዳ ህጹጽ እዋን ከምዘየማልእ እኳ ንተገለጸ፡ እቲ ሕማም ናብተን ምስ ምስ ዲ.ሪ.ኮንጎ ዝዳበዋ ሃገራት ዝያዳ ናይ ምስፍሕፋሕ ተኽእሎ ኣለዎ ። | |||
| ኣርሰናል ኣብ ውሽጢ 22 ዓመታት ንመጀመርያ ግዜ ቻምፒዮን ፕሪሜር ዓዲ እንግሊዝ ኮይና። (ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ 20 ግንቦት 2026) | 20 mai 2026 | 00:04:54 | |
** ኣብ ደቡብ ምዕራብ ሲድኒ ብዝተተኮሰ ጠያይት፡ ሓደ ሰብኣይ ሞይቱ ፡ ካልኦት ኣርባዕተ ድማ ቈሲሎም ... ** ፕረዚደንት ሩስያ ቫልደሚር ፑቲን ናብ ቻይና ወግዓዊ ምብጻሕ ንምፍጻም ናብ በይጂንግ ኣትዩ ... ** ኣርሰናል ድሕሪ 22 ዓመታት ንፈለማ ቻምፕዮን ኩዕሶ እግሪ ዓዲ እንግሊዝ ኮይና። | |||
| The Aboriginal flag: History, meaning and recognition - ባንዴራ ደቀባት፡ ታሪኽ፡ ትርጉም፣ ክብርን ኣፍልጦን | 19 mai 2026 | 00:10:27 | |
At school, work, council offices or sporting events, you might see a red, black and yellow flag flying beside the Australian national flag. This is the Aboriginal flag, representing the Aboriginal people of Australia and their connection to land, community and stories. - ኣብ ቤት ትምህርቲ፣ ስራሕ፣ ቤት ጽሕፈታት ምምሕዳር ወይ ስፖርታዊ ውራያት፣ ኣብ ጎድኒ ሃገራዊት ባንዴራ (ሰንደቕ ዓላማ) ኣውስትራልያ፣ ቀይሕ፣ ጸሊምን ቢጫን ባንዴራ ክትርእዩ ትኽእሉ። እዚኣ ባንዴራ ደቀባት ወይ ኣቦሪጂናል ባንዴራ እያ። ንደቀባት ህዝብታት ኣውስትራልያን ምትእስሳሮም ምስ መሬት፡ ማሕበረሰብን ዛንታታትን ትውክል። | |||
| ‘ሕብረተሰብና ኣብ ምጥያሽን ስራሕ ምድላይን ክረኽቦም ዝግባእ ሓገዛት ኣይፈልጦምን’- ገብረስላሰ ገብሩ በዓል ሞያ ምስላጥ ትምህርትን ስራሕን | 19 mai 2026 | 00:22:51 | |
ኣወስትራልያ ካብተን ኣብ ዝተፈላለየ ፅላታት ናይ ሰብ ሞያ ሕፅረት ዘለወን ሃገራት ሓንቲ እያ። ነዚ ሓጓፍ ንምምላእ ዝተፈላለየ ክእለታት ዘለዎም ሰባት ብቐዋምነትን ጊዝያውን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝኣትውሉ መስርሕ ብምትግባር እውን ትፍለጥ። ብኻልእ ገፅ ካብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓዊሱ ዝመፁ ብዙሓት ሰባት፡ ብፍላይ ኣብ መጀመርታ፡ ስራሕ ምርካብ ቀሊል ከምዘይኮነ እዮም ዝገልፁ። ንምዃኑ ሓደሽቲ መፃእቲ፡ ስራሕ ኣብ ምድላይ ዝገጥምዎም ዕንቅፋታት እንታይ እዮም? ዘለዉ ዕድላትከ? ኣብዚ ዛዕባ፡ ሃይሉ ሳህለ ንሓደሽቲ መፃእቲ ኣብ ምጥያስ፣ ስራሕን ትምህርትን ክረኽቡ ኣብ ምግባርን ኣብ ዝነጥፍ ትካል፡ በዓል ሞያ ምስላጥ ዕድላት ትምህርትን ስራሕን ምስ ዝኾነ ገብረስላሰ ገብሩ ዝገበሮ ፃንሒት ተኸታተሉ። | |||
| ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (18 ግንቦት 2026) | 18 mai 2026 | 00:47:29 | |
ሰላም ከመይ ትኾኑ ዝኸበርኩም ሰማዕትና። ካብ’ዚ ካብ ስቱዲዮ SBS መልበን፡ Australia፡ ንሎሚ ሶኑይ 18 ግንቦት 2026 ዘዳለናዮም መደባት ሒዝና ቀሪብና’ለና። | |||
| ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (18 ግንቦት 2026) | 18 mai 2026 | 00:10:28 | |
ኣርእስታት ዜና * ኣምባሳደር ኣውስትራልያ ኣብ ነዘርላንድስ ምስ’ቶም ብሃንታቫይረስ ተጠቒዓ ካብ ዝነበረት መዛወሪት መርከብ ዝገዓዙ ኣውስትራልያውያን ተራኺቡ፣ * ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ ምስ ፕረዚደንት ዩኤስ ዶናልድ ትራምፕ ብቕልጡፍ ክዘራረብ መደብ ሒዘ ይብል፣ ኩናት ደጊሞም ክጅምሩ ይሓስቡ'ለው ክትብል ጋዜጣ ኒው ዮርክ ታይምስ ተቃልዕ፣ * ኣብ ስኮትላንድ ኣብ መወዳእታ ግጥም ሰልቲክን ሃርትስን ደገፍቲ ሜዳ ብምውራሮም ሕንፍሽፍሽ ተፈጢሩ፣ | |||
| ኲናት ከይገደሳ ንተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኢራን ኢዳ ዘርጊሓ ትቕበሎም ኣሜሪካዊት ከተማ | 18 mai 2026 | 00:07:23 | |
ኣብ መጻብቦ ሖርሙዝ መራኽብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንመራኽብ ነዳዲ ኢራን ኣብ ሓደጋ የእትወአን፣ ፕረዚደንት ዩኤስ ዶናልድ ትራምፕ ድማ ፍጹም ዓወት ይጠልብ። ኣብ ቱሶን (Tucson) ግን ዝኾነ ነገር ከም ዘይተፈጥረ ክመስል ንሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢራን ኢዶም ዘርጊሖም ክቕበሉ ይሸባሸቡ’ለዉ። | |||
| ቻይና ሓድሽ ሚዛን ሓይሊ ዓለም ኣብ ዝፈጠረትሉ ትራምፕ መጀሃሪ ዝኾኖ ብዙሕ ከይሓዘ ተመሊሱ | 18 mai 2026 | 00:11:02 | |
ኣብ መላእ’ቲ ብዓቢኡ ናይ ክብሪ ዋዕላ ዝነበረ፣ ሚዛን ሓይሊ ኣብ መንጎ’ቶም ክልተ መራሕቲ ይቕየር ምህላዉ ዘርእዩ ገለ ምልክታት ኔሮም። | |||
| ወጥሪ ትግራይ ብዘተ ክውዳእ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ምጽውዖም (ጸብጻብ) | 18 mai 2026 | 00:05:14 | |
ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ካብ ዝነበሮ ኩነታት ሓውዩ ምምላሱ፣ ወጥሪ ትግራይ ብዘተ ክውዳእ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ምጽውዖም፣ ኤርትራን ግብጽን ኣብ ወደብን መጓዓዝያ ባሕሪን ስምምዕ ምኽታመንን ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ተወሳኺ 10 ቢሊዮን ብር በጀት ምሕታቱን ንሎሚ ንጽብጽቦም ዜናታት’ዮም። | |||
| ቀረጽ ኣባይቲ ምትዕርራይ ተገይርሉ ይብል መንግስቲ፣ ግን ድሕሪት ዝተርፉ ኣውስትራልያውያን ክህልዉ ድዮም፧ | 17 mai 2026 | 00:12:00 | |
ኣብ ናይ’ዚ ዓመት ፈደራል ባጀት ኣብ’ቶም ምትዕርራያት ንቀረጽ ኣባይቲ ኣብ መንጎ ክቕርቀሩ/ክህሰዩ ዝኽእሉ ኣየኖት ኣውስትራልያውያን’ዮም፧ | |||
| ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (14 ግንቦት 2026) | 14 mai 2026 | 00:50:07 | |
ን ሎሚ ሓሙስ 14 ግንቦት 2026 ዘዳለናዮ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ | |||
| ኣብ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ክነግስን ተሓታትነት ክሰፍንን ጻዊዒት ቀሪቡ። (ጸብጻብ) | 14 mai 2026 | 00:07:16 | |
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ክቐርብ’ዩ፡ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ምስ ኤርትራ ዝነበሮ፡ ስትራተጅያዊ ስምምዕ ኣሐዲሱ። ቀዳማይ ሚኒስተር ዐቢይ ምስ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ናይ 54 ነጥቢ 6 ሚልዮን ዩሮ ልቓሕ ተሰማሚዖም። ኣብ ኤርትራ፡ ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ክቕጽልን ተሓታትነት ክሰፍንን ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ጸዊዐን። ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ 20 ሰላማዊያን ሰባት ምቕታሎም ተገሊጹ። ኣመሪካ ኣብ እዋን ውግእ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኣንቢራቶ ዝነበረት እገዳ ሰደድ ኣጽዋር ኣልዒላ። | |||
| Treasurer flags 'fairer' budget as business groups criticise tax reforms - ባጀት ኣውስትራልያ ወሪዱ - ተሓዝ ሕሳብ መንግስቲ 'ርትዓዊ'ዩ' ይብሎ፣ ማሕበራት ንግዲ ግን ይነቕፍኦ | 13 mai 2026 | 00:10:22 | |
The Federal Budget has been handed down, including major tax changes that have been welcomed by unions, social services groups, and renters groups. Industry groups have raised concerns, saying the tax changes will be bad for business, as debate continues over how to balance fairness and fiscal restraint. - ብማሕበራት ስራሕተኛታት፣ ጉጅለታት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ጉጅለታት ተኻረይቲን ተቐባልነት ዝረኸቡ ዓበይቲ ለውጥታት ግብሪ ሓዊሱ ፌደራል ባጀት ተዋሂቡ። ማሕበራት ኢንዱስትሪ ግን እቲ ለውጢ ኣብ ግብሪ ንንግዲ ሕማቕ ክኸውን እዩ ኢሎም ስክፍታኦም ኣልዒሎም፡ ንርትዓውነትን ፊስካላዊ ተኣቅቦን ከመይ ገይካ ተመዛዝኖም ዝብሉ ክትዓት ድማ ይቕጽሉ። | |||
| Tips to manage financial stress | Fuel in Focus - ቀረብን ክብርን ነዳዲ ኣትኩሮ ኣብ ዝሰሓቡሉ እዋን ንፋይናንሳዊ ጸቕጥታት ኣብ ምቁጽጻር ዝሕግዙ ምኽርታት | 12 mai 2026 | 00:06:11 | |
Australia's petrol and diesel prices remain under pressure. The RBA’s decision to hike the cash rate this month is adding to the financial strain facing many households. We look at some free and independent support services that are available to help people manage financial stress. - ኲናት ዩናይትድ ስቴትስ-ኢራን ሳልሳይ ወርሑ ኣብ ዝኣተወሉ ኣውስትራልያዊ ዋጋታት ፔትሮል (በንዚን)ን ዲዘል (ናፍታ)ን ኣብ ትሕቲ ወጥሪ (ጸቕጢ) ይርከቡ። ንብዙሓት ኣውስትራልያውያን ስድራቤታት፣ እዚ ንውሳነ ምውሳኽ መጠን ጥረ ገንዘብ ማእከላይ ባንክ ኣብ’ዚ ወርሒ ተኸቲሉ ዝተፈጥረ ወጥሪ ዕጽፊ ከይዱ’ሎ። ኣብ መዐደሊ ነቑጣታት ሰባት ዝያዳ ይኸፍሉ’ለዉ፣ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ድማ ነቶም ዝውስኹ ሕሳባት ግሮሰሪ፣ ገዛ ኽራይ፣ ሞርጌጅን ካልኦት ኣድለይቲ ነገራትን የካውኑ’ለዉ። ኣብ’ዚ ኣትኩሮ ኣብ ነዳዲ ገይርና ንኣውስትራልያ ንገልጸሉ መደብና ነጻ ዝኾኑን ብነጻ ዝወሃቡን ንሰባት ኣብ ፋይናንሳዊ ወጥሪ ዝሕግዝዎም ቀረብ ኣገልግሎታት ክንምልከት ኢና። | |||
| "ብምዝራብ ሰናፍ ኣይኮንኩን፡ ግን ብምጽሓፍ’የ ዝያዳ ዝበልጽ።" ጸሓፊ መርሃዊ ወልደሚካኤል | 12 mai 2026 | 00:31:38 | |
ነባሪ ኒውዚላንድ ዝኾነ መርሃዊ ወልደሚካኤል ኣብ ከም ፖሎቲካን ካልእን ኣብ ብዙሕ ዓውድታት ዝነጥፍ ኮይኑ፡ ብእንግሊዝኛን ብትግርኛን ጽሒፉ ዘሕተሞም ብዙሓት መጻሕፍቲ’ውን ኣለዉዎ። ኣብዚ ዓመት “55፡ “God & Lucifer Bet on Africa Al-Kabulan” ትብል ዓባይ መጽሓፍ ጽሒፉ ኣብ ዕዳጋ ትርከብ። ብዛዕባ መጻሕፍቱን ዝምልከት ምስ መርሃዊ ዝተገብረ ዕላል ። | |||
| ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (12 ግንቦት 2026) | 12 mai 2026 | 00:05:03 | |
** ኢራን ካብ ኣመሪካ ንዝመጽእ ዝኾን ይኹን ዕንደራ ንምምካት ድልውቲ ምዃና ኣፍሊጣ... ኣ** ትረዠረር ጂም ቻልመስ ሓሙሻይ ፈደራላዊ ባጀት ሎሚ ክገልጾ እዩ... ** ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያን ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ተራኺቦም ብዛዕባ ክልተኣዊ ጉዳያት ተመያይጦም። | |||
| ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (11 ግንቦት 2026) | 11 mai 2026 | 00:45:35 | |
ን ሎሚ ሰኑይ 11 ግንቦት 2026 ዘዳለናዮ ፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ | |||
| ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (11 ግንቦት 2026) | 11 mai 2026 | 00:10:20 | |
ኣርእስታት ዜና፥ ኢራን ነቲ ብፓኪስታናውያን ኣሸማገልቲ ኣቢሉ ብ ኣመሪካ ዝቐረበ እማመ ምቍራጽ ተዅሲ ምላሽ ከም ዝሃበትሉ ድሕሪ ምግላጽ ፡ እቲ ውግእ ንሓዋሩ ደው ዝብለሉ ዘተኮረ ዘተ ክግበር ጸዊዓ ። ምስ ጉጅለ ኣይኤስ ርክብ ዘለወንን ብ ገበን ባርነት እተኸሰሳን ክልተ ኣንስቲ ፡ ሎሚ ዋሕስ ኪሓታ እየን ። ውድብ ጥዕና ዓለም ፡ ተሳፈርትን ሰራሕተኛታትን ካብ 'ታ ብሃንታ ቫይረስ ኮሮና ዝተጸልወት መዛወሪት መርከብ ኤምቪ ሆንዴስ ኣብ ተኔሪፌ ከምዝተራገፉ ገሊጹ ። | |||
| ኤርትራ፡ ሓዱሽ መስርሕ ድጂታዊ ሓበሬታ ጀሚራ። (ጸብጻብ) | 10 mai 2026 | 00:08:22 | |
ኤርትራ፡ ሓዱሽ መስርሕ ድጂታዊ ሓበሬታ ጀሚራ። ቅነ ናጽነት ኣብያተ-ትምህርቲ’ ዞባ ማእከል፡ ብወግዒ ተኸፊቱ። ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ትግራይ፡ ጥንታዊት ከተማ ኣኽሱም "ቅድስቲ ከተማ ኣኽሱም ጽዮን" ተባሂላ ክትስየም ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ። ኣብ ትግራይ ስርዓተ ፆታ መሰረት ዝገበረ ጥቅዓት ምላሽ ንምሃብ "ግልጋሎት ነፃ ስልኪ ዕላዊ ከምዝተገበረ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣፍሊጡ። | |||
| One Nation claims historic win in Farrer in poll seen as litmus test for Coalition - ንሰልፊ ጥምረት ከም መፈተኒ ኣብ ዝተራእየሉ ምርጫ ሰልፊ ዋን ኔሽን (One Nation) ኣብ ፋረር ተዓዊቱ | 10 mai 2026 | 00:06:25 | |
Voters in the southern New South Wales seat of Farrer have headed to the polls to choose a new MP after their former representative Sussan Ley resigned from parliament. Analysts say the vote could have lasting consequences for the coalition. - ናይ ቀደም ወካሊቶም ዝነበረት ሱዛን ሊይ ካብ ባይቶ ድሕሪ ምስንባታ ኣድመጽቲ ደቡባዊ ግዝኣት ኒው ሳውዝ ዌልስ፣ ወንበር ፋረር፣ ሓድሽ ኣባል ባይቶ ንምምራጽ ናብ መድመጺ ነቑጣታት ኣምሪሖም። ተንተንቲ እዚ ምድማጽ ነባሪ ሳዕቤን ንሰልፊ ጥምረት ክህልዎ ይኽእል’ዩ ይብሉ። | |||
| ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (7 ግንቦት 2026) | 07 mai 2026 | 00:46:00 | |
ሰላም ከመይ ትኾኑ ዝኸበርኩም ሰማዕትና። ካብ’ዚ ካብ ስቱዲዮ SBS መልበን፡ Australia፡ ንሎሚ ሓሙስ 7 ግንቦት 2026 ዘዳለናዮም መደባት ሒዝና ቀሪብና’ለና። * ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበረቶ እገዳ ንምልዓል ኣብ ትቀራረበሉ ዘላ እዋን ኣሜሪካ ወደብ ንምርካብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ከይትጥቀም ንኢትዮጵያ ብጽኑዕ ኣጠንቂቓታ፣ ኤርትራ’ውን ምላሽ ሂባ፣ ኣቦ ወንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ፕሬዝዳንት ትግራይ ኮይኑ ተመሪጹ፣ ህወሓት ኣብ ጉዳይ ሱዳን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝቐረበሉ ክሲ ምላሽ ሂቡ፣ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ሆሮ ጉዱሩ ወለጋ ኣብ ገለ ወረዳታት ሰፊሕ ግዱድ ግፋ ይካየድ ከምዘሎ ተሰሚዑ: እዚኦም ናይ ሎሚ ጸብጻባት ዜና’ዮም። * ኣብ ሓንቲ ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እተበገሰት መዛወሪት መርከብ ብቐታሊ ተላባዒ ሃንታቫይረስ ሸውዓተ ሰባት ከምዝተለኽፉ ተፈሊጡ። እዚ ሕማም ኣብ ሰባት ሳሕቲ ጥራይ ዝርአ ብምዃኑ ዓለምለኻዊ ሻቕሎት ፈጢሩ’ሎ። ሃንታቫይረስ እንታይ’ዩን ኣብ’ታ መርከብ’ከ እንታይ ኣጋጢሙን ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። * ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣውስትራልያ - ሶከሩስ - ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ፊፋ 2026 ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ክጅምር ልዕሊ ወርሒ ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ እዋን ምድላዋታ ተጠናኽር ኣላ። ኣሰልጣኒ ቶኒ ፖፖቪች እታ ጋንታ ብዙሕ ዝስራሕ ኣለዋ. . . ኩልና ከነማዕድዎ ዘለና ድማ ብዙሕ ነገር ኣሎ ክብል ይገልጽ። ንምድልዋታ ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣለና። * ኣብ መወዳእታ ኢንፍሉዌንዛ ልዑል ተላባዒ ቫይረስ’ዩ። ወቕቲ ሰዓል ኣብ ኣውስትራሊያ ክጅምር’ንከሎ ንገዛእ-ርእስና፣ ስድራቤትናን ኣብ ማሕበረሰብና ልዕሊ ኩሉ ተጠቃዕቲ ዝኾኑ ሰባት ንምክልኻል ክንፈልጦ ዘሎና ነገር ኣሎ። ንኣውስትራልያ ኣብ ንገልጸሉ መደብና ንምልከቶ’ዩ። ሰናይ ምክትታል! | |||
| ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (7 ግንቦት 2026) | 07 mai 2026 | 00:10:16 | |
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (7 ግንቦት 2026) * ብመርዑት ኣይሲስ ተባሂለን ዝፍለጣ ደቀንስትዮ ሎሚ ናብ ኣውስትራልያ ክምለሳ’የን፣ * ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ወሽመጥ ዖማን ኣብ ዝነበረት መርከብ ነዳዲ ኢራን ተዂሲ ከፊታ፣ * ኣርሰናልን ፓሪስ ሰይንት ጀርመይንን ናብ ፍጻመ ግጥም ቻምፒዮንስ ሊግ ኤውሮጳ በጺሐን፣ | |||
| FIFA World Cup preparations ramp up for the Socceroos - ሃገራዊት ጋንታ ኣውስትራልያ (ሶከሩስ) ምድላዋታ ናብ ዋንጫ ዓለም 2026 ተሳልጥ | 07 mai 2026 | 00:11:09 | |
The Socceroos are ramping up their World Cup preparations, with just over a month until the 2026 tournament begins in North America. Coach Tony Popovic has a lot to do... and everyone has a lot to look forward to. - ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣውስትራልያ - ሶከሩስ - ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ፊፋ 2026 ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ክጅምር ልዕሊ ወርሒ ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ እዋን ምድላዋታ ተጠናኽር ኣላ። ኣሰልጣኒ ቶኒ ፖፖቪች ከም ዝገልጾ እታ ጋንታ ብዙሕ ዝስራሕ ኣለዋ. . . ኩልና ከነማዕድዎ ዘለና ድማ ብዙሕ ነገር ኣሎ። | |||
| ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበረቶ እገዳ ንምልዓል ኣብ ትቀራረበሉ ዘላ እዋን ኣሜሪካ ወደብ ንምርካብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ከይትጥቀም ንኢትዮጵያ ኣጠንቂቓታ (ጸብጻባት ዜና) | 07 mai 2026 | 00:08:06 | |
ጸብጻባት ዜና ልኡኽና (07052026) * ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበረቶ እገዳ ንምልዓል ኣብ ትቀራረበሉ ዘላ እዋን ኣሜሪካ ካብ ኤርትራ ወደብ ንምርካብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ከይትጥቀም ንኢትዮጵያ ብጽኑዕ ኣጠንቂቓታ፣ ኤርትራ’ውን ምላሽ ሂባ፣ * ኣቦ ወንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ፕሬዝዳንት ትግራይ ኮይኑ ተመሪጹ፣ * ህወሓት ኣብ ጉዳይ ሱዳን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝቐረበሉ ክሲ ምላሽ ሂቡ፣ * ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ሆሮ ጉዱሩ ወለጋ ኣብ ገለ ወረዳታት ሰፊሕ ግዱድ ግፋ ይካየድ ከምዘሎ ተሰሚዑ፣ | |||
| ለበዳ ሃንታቫይረስ ንዓለም የሻቕል፡ | 06 mai 2026 | 00:06:28 | |
ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እተበገሰት መዛወሪት መርከብ ፡ ብቐታሊ ተላባዒ ሃንታቫይረስ ሸውዓተ ሰባት ከምዝተለኽፉ ተፈሊጡ ። እዚ ሕማም እዚ ኣብ ሰባት ሳሕቲ ጥራይ ዝርአ ብምዃኑ ፡ እቲ ሕማም ዓለምለኻዊ ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ ። ብዛዕባ ኣብታ መርከብ እንታይ ከምዘጋጠመ ፡ ሃንትቫይረስ እንታይ ምዃኑን እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ክምልሶ እዩ ። | |||
| ኣብ ሰሜን ምብራቕ ሶርያ መዓስከር ኣል-ሮጅ ዝጸንሑ ምስ ጉጅለ ኣይ ኤስ ርክብ ዘለዎም ኣንስትን ቆልዑን ናብ ኣውስትራሊያ ይምለሱ ኣለዉ፡ ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (06 ግንቦት 2026) | 06 mai 2026 | 00:05:31 | |
** ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ነቲ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዘሎ ውጥረት ከም ዘተሓሳሰቦ ገሊጹ ።... ** መንግስቲ ሱዳን፡ ካብ ኢትዮጵያ ዝተበገሰት ድሮን ኣብ ካርቱም መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመት ድሕሪ ምኽሳሳ ኢትዮጵያ ምላሽ ሂባ... ** ህወሓት ንዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ፕረዚደንት እቲ ክልል ክኸውን መሪጽዎ ተባሂሉ። | |||
| ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (05 ግንቦት 2026) | 05 mai 2026 | 00:05:35 | |
** ወጥሪ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ይውስኽ... ** ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ባጀት፡ ምጉዳል ተሳተፍትን ኣብ NDIS ተጠቃሚ ንምዃን መምዘኒ ጸቢብ እንተኾነ’ኳ ምስ ኦቲስም ዝነብሩ ሕጂውን ተጠቀምቲ ክኾኑ ምዃኖም ተገሊጹ ... ** ኣብ ከተማ መቐለ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ዝወስድ ጽርግያ ነትጒ ከምዝተሰምዐ ቢቢሲ ሓቢሩ። | |||
| Are you prepared for Australia’s flu season? - ንወቕቲ ጉንፋዕ (ፍሉ) ኣውስትራሊያ ተዳሊኹም ዶ ኣለኹም? | 05 mai 2026 | 00:08:15 | |
Influenza is a highly contagious viral infection. As flu season begins in Australia, here’s what you need to know to protect yourself, your family and the most vulnerable in our community. - ኢንፍሉዌንዛ ልዑል ተላባዒ ቫይረስ እዩ ። ወቕቲ ሰዓል ኣብ ኣውስትራሊያ ክጅምር እንከሎ ፣ ንገዛእ-ርእስኻ ፣ ንስድራቤትካን ኣብ ማሕበረሰብና ልዕሊ ኩሉ ተጠቃዕቲ ዝኾኑ ሰባት ንምክልኻል ክንፈልጦ ዘሎና ነገር ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ቀሪቡ ኣሎ። | |||
| ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (04 ግንቦት 2026) | 04 mai 2026 | 00:07:41 | |
ኣርእስታት ዜና፥ ሰራዊት እስራኤል ፡ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ኣብ ዝርከባ 11 ከተማታትን ኣቝሻትን ንዝነብሩ ሰባት ፡ ካብቲ ቦታ ብህጹጽ ክወጹ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ኣሎ ። 80 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ዝገበረቶ ፈተነ ኣብታ ጃልባ ዝነበራ ክልተ ኣንስቲ ሞይተን ። ኣብ ኩዕሶ እግሪ ፡ ሳም ኬር ኣብ ግጥማት ሱፐር ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ፡ ንቸልሲ ካብ ኩሉ ግዜ ዝለዓለ ኣመዝጋቢት ሸቶ ኮይናትላ ። | |||
| ናጽነት ፕረስ ኣብ ኢትዮጵያ ኣንቆልቊሉ፤ ኣብ ኤርትራ ድማ በቲ ዝኸፍአ ደረጃ ይቕጽል ምህላው ተፈሊጡ። (ጸብጻብ) | 03 mai 2026 | 00:07:44 | |
ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 4 ኣዋርሕ 38 ጋዜጠኛታት ካብ ሚድያታት ለቒቖምን ተሰዲቶምን ከም ዝወጹ ተሓቢሩ። መበል 19 ሳይንሳዊ ጉባኤ ማሕበር ሞያ ፋርማሲ ኤርትራ ተኻይዱ። ብሪጣንያን ሕብረት ኤውሮጳን ኣብ መንጎ ፌደራላዊ መንግስትን ህወሓትን ዘሎ ምስሕሓብ ደው ክብል ጸዊዖም። ናይ ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ሓገዝ እንተተቋሪጹ “ክሳብ 3.1 ሚልዮን ዝበጽሑ ሰባት ንሰብኣዊ ቅልውላው ክቃልዑ ይኽእሉ እዮም” ክትብል ሴናተር ኣመሪካ ኣጠንቂቓ። | |||
| Colombians divided over the fate of hippos linked to Pablo Escobar - ዕሉል ገበነኛ ፓብሎ ኤስኮባር ዝውንኖም ዝነበሩ ጉማሬታት እንታይ ንግበሮም ኣብ ዝብል ኮሎምቢያውያን ተኸፋፊሎም | 03 mai 2026 | 00:06:43 | |
Colombia is confronting a unique problem: what to do with a population of hippopotamuses originally linked to Pablo Escobar. The notorious late drug lord became infamous for importing the creatures and establishing a zoo at one of his properties. - ኮሎምቢያ ሓደ ፍሉይ ጸገም ገጢምዋ’ሎ፣ ምስ ፓብሎ ኤስኮባር ቀዲሞም ምትእስሳር ዝነበሮም ጉማሬታት እንታይ ንግበሮም ዝብል። እቲ ዕሉል ወይ ፍሉጥ ጎይታ ምስግጋር ዕጽታት ወይ ሓሽሽ ዝነበረ መዋቲ፣ ነዞም ሓራምዝ ናብ ሃገሩ ብምእታዎምን ኣብ ሓደ ካብ’ቶም ዝውንኖም ኣባይቲታቱ መካነ እንስሳታት ብምውንናንን ይፍለጥ። | |||
| ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (30 ሚያዝያ 2026) | 30 avr. 2026 | 00:46:14 | |
ን ሎሚ ሓሙስ 30 ሚያዝያ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና: | |||
| ዕለታዊ ዜና Tigrinya ትግርኛ (30 ሚያዝያ 2026) | 30 avr. 2026 | 00:08:12 | |
ኣርእስታት ዜና፥ ብምኽንያት እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ግጭት ፡ ዝቕባበ ናብ ሰማይ ከምዘዕረጎ ፣ ናይ ፌደራል ተረዠረር ጂም ቻምበርስ ብምግላጽ እዚ ምውሳኽ ዝቕባበ እናገደደ ክኸይድ ከም ዝኽእል ተኣሚኑ ። ኣብ ለንደን ክልተ ኣይሁዳውያን ሰብኡት ተወጊኦም ፣ ፖሊስ ነቲ ተግባር ግብረ-ሽበራዊ ፍጻመ ገይሩ ሒዝዎ ኣሎ ። ህንዲ ካብቶም ምንጪ ካብ ወጻኢ ዝመጹ ዝበዝሑ ተቐማጦኣ ኣውስትራሊያውያን ኮይና ኣላ ። | |||
| ሕቡራት ሃገራት ዓረብ ንምንታይ ካብ ኦፐክ ክትወጽእ ወሲና፧ ኣብ ቁጠባ ዓለም ዘምጽኦ ሳዕቤን ከ፧ | 29 avr. 2026 | 00:07:25 | |
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ፡ ካብ ግንቦት ኣትሒዛ ካብ ዉድብ ናብ ወጻኢ ነዳዲ ዝልእካ ሃገራት ወይ ካብ OPEC ከም እትወጽእ ኣፍሊጣ ። እዚ ውሳነ እዚ ፡ እታ ሀገር ምስ ስዑዲ ዓረብ ዘለዋ ዉጥረትን ምስ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዘለዋ ድልዱል ዝምድናን ዘንጸባርቕ ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ ። እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ፡ እቲ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ብቐጻሊ ዝዕጾ ዘሎን እዚ ናይ ኢማራት ዉሳነ፡ ኣብ ዋጋታት ነዳዲ ዝህልዎ ጽልዋ ክድህስስ እዩ ። | |||
| "ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ከባቢ 65 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ናይ ሞት ፍርዲ ክፍጸመሎም ይኽእል እዩ።" ጸብጻብ | 29 avr. 2026 | 00:09:34 | |
ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣመሪካ፡ ስለ ምምሕያሽ ዝምድናን ኤርትራን ኣመሪካን ንዝቐረበ ወቐሴታ ምላሽ ሂቡሉ። ነባር ቤት ምኽሪ ትግራይ" ናብ ስራሕ ይመለስ ዝብል ውሳነ ከም ዘይቕበሎ ፕረዝደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ደጊሙ ገሊጹ። ህወሓት ብወገኑ፡ ጀነራል ታደሰ ወረደ 'ስልጣን ከረክብ ከም ዝግባእ' ኣፍሊጡ። ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ከባቢ 65 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ናይ ሞት ፍርዲ ክፍጸመሎም ይኽእል እዩ ክብል ኣጠንቂቑ። | |||
| ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (29 ሚያዝያ 2026) | 29 avr. 2026 | 00:03:51 | |
** ቐጠር ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኩለንተናዊ ስምምዕ ሰላም ክግበር እማመ ኣቕሪባ። ** ካብ ሰንበት ንግሆ ኣትሒዙ ኣብ ጥቓ ኣሊስ ስፕሪንግስ ዝጠፍአት ጓል ሓሙሽተ ዓመት ቆልዓ ንምርካብ ዝግበር ጻዕሪ ራብዓይ መዓልቱ ሒዙ ። ** ኣብ ከተማ ኣስመራ ብዝተወልዐ ባርዕ ሓዊ ክልተ ሰባት ከምዝሞቱ ተሓቢሩ። | |||
| #109 Talking about ageing parents (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝኛ ምስ SBS: Talking about ageing parents (Med) | 29 avr. 2026 | 00:09:29 | |
Learn English useful for talking about ageing parents and family responsibilities. Practise everyday phrases for describing challenges, offering help, and discussing how to support parents. - Learn English useful for talking about ageing parents and family responsibilities. Practise everyday phrases for describing challenges, offering help, and discussing how to support parents. | |||
| Tips to reduce petrol costs | Fuel in Focus - ጠቓሚ ምኽርታት ዋጋ ነዳዲ ንምጉዳል፡ | 28 avr. 2026 | 00:07:35 | |
Rising fuel prices are putting pressure on household budgets across Australia, and for many people, it’s changing the way they travel. So what can you do to reduce your fuel costs without giving up your daily routine? Here are some simple, practical ways to save money on petrol. - ናህሪ ዋጋታት ነዳዲ ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ኣብ ልዕሊ ናይ ምነባብሮ ባጀት ጸቕጢ ይፈጥር ኣሎ ፡ ብዙሓት ሰባት ድማ ነቲ ክግብርዎ ዝጸንሑ ኣገባብ መጓዓዝያ ይቕይርዎ ኣለው ። እሞ ደኣ መዓልታዊ ንጥፈታትኩም ኸይተሰናኸለ ፡ ወጻኢታት ነዳዲ ንምንካይ እንታይ ክትገብሩ ትኽእሉ ? ኣብዚ ገለ ቀሊልን ግብራውን ገንዘብ ኣብ ነዳዲ ንምቑጣብ ቀሪቡ ኣሎ ። | |||
| ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (28 ሚያዝያ 2026) | 28 avr. 2026 | 00:04:30 | |
** ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ዘኽፍት እማመ ኣቕሪባ፡ ፕረሲደንት ትራምፕ ምስ ኣካላት ጸጥታኡ ይመያየጠሉ ኣሎ። ** ናይ ካሊፎርኒያ መምህር ብፈተነ ቕትለት ፕረሲደንት ኣመሪካ ክሲ ቀሪቡሉ። ** ኣብ ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና ብውሕዱ 19 ሰባት ሞይቶም። | |||
© My Podcast Data · Projet indépendant · Données issues d'Apple & Spotify