Retour
Explorez tous les épisodes du podcast SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Plongez dans la liste complète des épisodes de SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ. Chaque épisode est catalogué accompagné de descriptions détaillées, ce qui facilite la recherche et l'exploration de sujets spécifiques. Suivez tous les épisodes de votre podcast préféré et ne manquez aucun contenu pertinent.
| Titre | Date | Durée | |
|---|---|---|---|
| ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ግንቦት 2025) | 29 May 2025 | 00:48:53 | |
ንሎሚ ሓሙስ 29 ግንቦት መጋቢት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝርከበሉ ሓዱሽ ኣፍልጦ ዝረኸበ ውዳበ ስምምዕ ፕሪቶርያ ክትገበር ጸዊዑ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ካብቲ ሒዞምዎ ዝጸንሑ ከባቢታት ትግራይ ከምዘይወጹ ተሓቢሩ። ኣብ ትግራይ፡ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብ ዝኽሰስ ኮሎነል ተወልደ ገብረተንሳይ ምላሽ ሂቡ። ስነስርዓት ቀብሪ ኤርትራዊ ምኒስተር ወልደሚካኤል ኣብርሃ ተፈጺሙ፡ ኤስ ቢ ኤስ ካብ ዝጅምር መበል 50 ዓመቱ ኣብዘኽብረሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ፈለማታት ምጅማር ብቛንቋ ትግርኛ ኣብ ኤስ ቢ ኤስ ካብ ዝቐረቡ ሓሓሊፍና ንድሕሪት ተመሊስና ከነቕርቦም ኢና፡ ንሎሚ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ንልዕሊ 28 ዓመት ዝተቐመጠት ወይዘሮ ናዲያ ኣብ ማእከል መልበርን፣ ኣብ ፉትስክረይ ኣብ ዝበሃል ዓቢ ናይ ንግዲ ስቶር ኣለዋ። እዚ ኣብ 1996 ዝጀመረቶ ስራሕ ሰለስተ ሰራሕተኛታትን ኣባላት ስድራኣን ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢሩ ዕወት ዝረኸበትሉ ስራሕ እዩ። ኣጀማምራን ኣተዓባብያን እዚ ቢዝነስ ዘጋጥም ጸገማትን፣ ንሎሚ ወይዘሮ ናዲያ ሃሰን ካብተመኩሮኣ ኣካፊላትና ነይራ። ን ሽልማት “ኦርደር ኦፍ ኣውስትራሊያ” ዝሽለም ሰብ ክትሓጽዩ ሓሲብኩም ትፈልጡ ዶ፧ ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ምዕራብ ቪክቶርያ ዝርከብ ዓቢ ጽርግያ ፡ ሓሙሽተ ማካይን ተጋጭየን ፡ ሰለስተ ሰባት ሞይቶም ፡ ክልተ ድማ ኣብ ሆስፒታል ኣትዮም ኣለዉ ። እቲ ኣብ ጋዛ ብ U-S ዝድገፍ ናይ ረዲኤት ሞደል ፡ ተወሳኺ ዕንወት ዝፈጥር እዩ ክብልሓላፊ ትካል ዉሕሃ ንፍልስጤማውያ ስደተኛታት ፡ ወይ UNRWA ኣጠንቂቑ። ኣብ ግጥም State of Origin ጋንታ ኒው ሳውዝ ዌልስ ኣብ ልዕሊ ናይ ኲንስላንድ ጋንታ ማሮንስ 18 ብ6 ዓወት ናይ መጀመርታ ዓወት ኣመዝጊባ ። | |||
| ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ግንቦት 2025) | 29 May 2025 | 00:11:12 | |
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ምዕራብ ቪክቶርያ ዝርከብ ዓቢ ጽርግያ ፡ ሓሙሽተ ማካይን ተጋጭየን ፡ ሰለስተ ሰባት ሞይቶም ፡ ክልተ ድማ ኣብ ሆስፒታል ኣትዮም ኣለዉ ። እቲ ኣብ ጋዛ ብ U-S ዝድገፍ ናይ ረዲኤት ሞደል ፡ ተወሳኺ ዕንወት ዝፈጥር እዩ ክብልሓላፊ ትካል ዉሕሃ ንፍልስጤማውያ ስደተኛታት ፡ ወይ UNRWA ኣጠንቂቑ። ኣብ ግጥም State of Origin ጋንታ ኒው ሳውዝ ዌልስ ኣብ ልዕሊ ናይ ኲንስላንድ ጋንታ ማሮንስ 18 ብ6 ዓወት ናይ መጀመርታ ዓወት ኣመዝጊባ ። | |||
| ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ግንቦት 2025) | 26 May 2025 | 00:13:13 | |
ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣብ ሰሜን መልበርን ዝርከብ ሓደ ዓቢ ማእከል ዕዳጋ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ካራሩ ብዝሓዙ ኣብ መንጎ 10 ሰባት ባእሲ ምስ ተላዕለ እቲ ማእከል ዕዳጋ ክዕጾ ኣገዲዱ። ... ** መበል 34 መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዉሽጥን ኣብ ወጻእን ክጽምበል ድሕሪ ምቕናዩ ብቐዳም 24 ግንቦት ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ ስታድዮም ኣስመራ ብወተሃደራውን ስነጥበባውን ምርኢታት ተሰንዩ ተጸምቢሉ። ** ኣውስትራልያዊ ኣስልጣኒ ቶተንሃም ሆትስፐር ኣንጅ ፖስትኮግሉ ኣብ ናይ ፍጻመ ግጥም ዩሮፓ ሊግ ጋንትኡ ንማንቸስተር ዩናይትድ 1-0 ስዒራ ተዓዋቲት ክትከውን ሓጊዙ፣ | |||
| ኣብ ጃማይካ ኣብ ዝተኻየደ ውድድራት ኣትለቲክስ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ዲሪበ ወልተጂ ሻምፒዮን ኮይና፡ (ሰሙናዊ መደብ ስፖርት) | 06 Apr 2025 | 00:05:33 | |
ንሎሚ ዝተዳለወ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኤስቢኤስ ትግርኛ ካብ'ዚ ቀጺልና ከነቕርበልኩም ኢና፡ ፈለማ ግን ኣርእስታቱ፡ ኣብ ጃማይካ ኣብ ዝተኻየደ ውድድራት ኣትለቲክስ (ኪንግስተን ግራንድ ስላም ትራክ) ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ዲሪበ ወልተጂ ሻምፒዮን ኮይና፡ ኬንያውያን ኣትሌታት ኣብ ማራቶን ከተማ ኤልደሮት ኣንጻር ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ክወዳደሩ ዕድል ክረኽቡ'ዮም፡ ኣሰልጣኒ ኣርሰናል ሚከል ኣርቴታ ብተኸላኻላዩ በደል ተፈጺሙ ኢሉ ንኤቨርተን ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ዝሃበ ውሳነ ዳኛ ከምዘይሰማማዓሉ ኣፍሊጡ፡ ንምብጻሕ ናብ ሩዋንዳ ዘተባብዕ መወዓውዒ 'Visit Rwanda' ኣብ ማልየአን ዘለወን ጋንታታት ኤውሮጳ ብሰንኪ ምትእትታው ሩዋንዳ ኣብ ደሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ንግዳዊ ውዕለን ክስርዛ ካብ ደገፍቲ መጸዋዕታ ይቐርበለን ዝብሉ ንሎሚ ንምልከቶም ዜናታት'ዮም። | |||
| ኣባላት ቐዋሚ ኮሚቴ ጊዜያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ምስ ኣምሳደር ኣሜሪካ ተዛትዮም። (ጸብጻብ) | 06 Apr 2025 | 00:05:29 | |
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣብ ትግራይ ሽልማት ሕሩያት መማህራን ተጀሚሩ። ኣባላት ቐዋሚ ኮሚቴ ጊዜያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ምስ ኣምሳደር ኣሜሪካ ተዛትዮም። ፈጻሚ ጉዳያት ኢምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጲያን ሕብረት ኣፍሪቃን ፡ ምስ ወከልቲ ሰበ-ስልጣን ናይቲ ሕብረት ርክባት ኣካይዱ። ሕብረት ኣውሮፓ ንኢትዮጵያ 240 ሚልዮን ዩሮ ድጋፍ ሂቡ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፡ ንብርጣኒያ ተቓውሞ ኣስሚዑ። | |||
| "ብሞት መምህር ጸጋይ ተስፋይ ምሉእ ማሕበረሰብ ኲንስላንድ እዩ ሓዚኑ።" ኣቶ ሚኪኤል (ወዲ ቐሺ) | 06 Apr 2025 | 00:17:29 | |
መምህር ጸጋይ ተስፋይ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1949 ኣብ ኣውራጃ ሰራየ ወረዳ ዓዲ ዃላ ኣብ እትርከብ፡ ዓዲ ባሕሮ ተወሊዱ። ዕድመኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ድማ ክሳብ 8ይ ከፍሊ ኣብ ቤት ትምህርቲ ማእከላይ ደረጃ ዓዲ ዃላ ተማሂሩ። ድሕሪኡ ናብ ኣስመራ ከይዱ ክሳብ መበል 12 ክፍሊ ቀጺሉ። ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ድማ ኣብኡ ብሞያ ምምህርና ክስልጥንን ከም መምህር ከስትምሃርን 5 ዓመታት ጸኒሑ። ካብኡ ከኣ ንዝያዳ ትምህርቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ኣትዩ። ከም ተጋዳላይ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ተጋድሎ ሓነት ኤርትራ ናብ ሱዳን ድሕቲ ምእታው ከኣ፡ ኣብ ከሰላ ኣባል ውድብ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኮይኑ፡ ሓላፊ ክፍሊ ገንዘብን መምህርን ኮይኑ ክሰርሕ ምስ ጸንሐ፡ ኣብ 1996 ናብ ኣወስትራሊያ ተሰዲዱ። ስድራ ቤቱ ብምእላይን ነቲ ማሕበረሰብ ኣብ ምግልጋልን ኣሕሊፍዎ። ሞት ዘይተርፍ ዕዳ ወዲሰብ ብምዃኑ ከኣ፡ እነሆ ብ27 መጋቢት 2025 ካብዛ ዓለም ተፈልዩ፡ መላእ ነበርቲ ማሕበረሰብ ከተማ ብርስቤንን ከባቢኣን ካብ ወጻኢ ድማ ብማንዛን ብዓቢ ስነስርዓት ብ 6 ሚያዝያ 2025 ስነ ስርዓት ቀብሩ ተፈጺሙ። ናይ ቀረባ መቓልስቱን ንነዊሕ ዓመታት መናብርቱን ዝኾነ ኣቶ ሚካኤል (ወዲ ቐሺ) ንህይወት መምህር ጸጋይ ይዝክሮ። | |||
| The legal loophole allowing political lies during elections - SBS Examines: ኣብ ግዜ ምርጫታት ፖለቲካዊ ሓሶታት ክሓልፉ ዘፍቅዱ ክፍተታት ሕጊ | 05 Apr 2025 | 00:10:02 | |
With an election date set for May 3rd, campaigning has officially begun. But political advertisements have already been circulating for months. Can you trust what they say? - ምርጫ ዝካየደሉ መዓልቲ ግንቦት 3 ክኸውን ድሕሪ ምውሳኑ፡ ጎስጓሳት ብወግዒ ተጀሚሮም ኣለዉ። እንተኾነ ግን ፖለቲካውያን መወዓውዒታት ቅድሚኡ ንኣዋርሕ ክዝርግሑ ወይ ክዘሩ ጸኒሖም'ዮም። እቲ ዝብሉዎ ወይ ዘውጽእዎ ክትኣምኑዎ ትኽእሉ ዶ፧ | |||
| ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 መጋቢት 2025) | 03 Apr 2025 | 00:14:13 | |
ኣርእስታት ዜና፥ ሰልፊ ጥምረት እንተድኣ ተመሪጹ ናይ ሕርሻን ዕደናን ጽርግያታት ንምምሕያሽ 600 ሚልዮን ዶላር ከውጽእ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ኣሎ ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንተኒ ኣልበኔዝ ፡ ኣብዚ ኣመሪካ ግብሪ ክትውስኽ ምዃና ገሊጻትሉ ዘላ እዋን ብጽንዓት ደው ከምዝብል ኣረጋጊጹ። ፕሬዝዳንት ዩናይትድ ስቴትስ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቁጠባ ዓለም ሰፊሕ ጽልዋ ክህልዎ ትጽቢት ዝግበረሉ ንመብዛሕትኡ ናብ ኣመሪካ ዝኣቱ ኣቑሑት ቀረጽ/ግብሪ ከምዝግበር ኣፍሊጡ ። | |||
| ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት ዕጥቃዊ ቃልሲ ከም 'ኣማራጺ' ከም ዘይወስድ ገሊጹ። (ጸብጻብ) | 02 Apr 2025 | 00:07:59 | |
ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፡ መልእኽቲ መራሒ ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ናብ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ማያርዳት ኣብጺሑ። ብኲናት ንዝተሃሰየ ዓውዲ ጥዕና ትግራይ ብመፅናዕቲ ዝተደገፈ መፍትሕታት ንምንዳይ ዝዓለመ 10ይ ዓለም ለኸ ዓውደ መፅናዕቲ ተጀሚሩ። ፖለቲካዊ ሓይልታት ትግራይ ዘጓነየ ምጥያሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ይሳለጥ ምህላዉ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ጠቒሱ። ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት ዕጥቃዊ ቃልሲ ከም 'ኣማራጺ' ከም ዘይወስድ ገሊጹ። ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልላት ዝጣየሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ንኽልተ ግዜ በብኽልተ ዓመት ክናዋሕ ዘኽእል ኣዋጅ ኣጽዲቑ። | |||
| How to vote in the federal election - ኣብ ፈደራላዊ ምርጫ ኣውስትራልያ ከመይ ገይርኩም ተድምጹ | 02 Apr 2025 | 00:11:18 | |
On election day the Australian Electoral Commission anticipates one million voters to pass through their voting centres every hour. Voting is compulsory for everyone on the electoral roll, so all Australians should familiarise themselves with the voting process before election day. - 18 ሚልዮን ኣውስትራልያውያን ኣብ'ዚ ዝመጽእ ዘሎ ፈደራል ምርጫ ከድምጹ ተመዝጊቦም ኣለዉ። ኣብ መዓልቲ ምርጫ፡ ኮሚሽን ምርጫ ኣውስትራልያ the Australian Electoral Commission ወይ AEC ብመድመጺ ማእከላቱ ኣብ ነብሲ ወከፍ ሰዓት ሓደ ሚልዮን ኣድመጽቲ ክሓልፉ ትጽቢት ይገብር። ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ መዝገብ ኣድመጽቲ እቱዋት ወይ ምዝጉባት እንተኾይንኩም ድምጺ ምሃብ ወይ ምድማጽ ግዴታ'ዩ። ኣብ'ዚ ንኣውስትራልያ ንገልጸሉ ትሕዝቶ ኩሎም ኣውስትራልያውያን ክፈልጥዎን ክለማመድዎን ዘለዎም ኣብ'ዚ ዝመጽእ ዘሎ ፈደራላዊ ምርጫ ከመይ ይድመጽ ክምልከት'ዩ። | |||
| ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ሚያዝያ 2025) | 01 Apr 2025 | 00:06:37 | |
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ (2 ሚያዝያ 2025) * ፍርሒ ዝዓበየ ኲናት ንግዲ ኣብ ዝተፈጥረሉ ዶናልድ ትራምፕ ሓደስቲ ታሪፋት ክእውጅ’ዩ፣ * ሰልፊ ለይበር ኣውስትራልያ ንሰለስተ ሚልዮን ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ሓቀኛ ወሰኽ ደሞዝ ክግበረሎም ድፍኢት ክገብር’የ ይብል፣ * መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ፒተር ዳተን ፖሊሲታቱ ካብ ዶናልድ ትራምፕን ኢሎን ማስክን ይቐድሖም ኣሎ ዝብል ክሲ ቀሪብሉ፣ * ክልተ ኣትሌታት ካብ ኢትዮጵያን ኬንያን ብምኽንያት ጥሕሰታት ሕጊ ብቕዓት ዘደንፍዑ ንጥረነገራትን መርመራታትን ብኣትለቲክስ ዓለም እገዳ ተነቢርሎም፣ | |||
| "ካብ ፖሊስ ክሃድሙ ካብ ፓላሶ ወዲቕቖም ዝሞቱ ብጥይት ተሃሪሞም ይቕተሉ ኣለዉ።" ስደተኛታት ኣብ ሊብያ "ርድኡና!" ኢሎም ይጣርዑ። | 01 Apr 2025 | 00:14:50 | |
ኣብ ሊብያ ካብ ኤርትራውያን ኢትዮጵያ ሱዳንን ካልእ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጹ ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ናይ ሞትን ህላወን ኩነታት ይርከቡ። ሓይልታት ጸጥታ ሊብያ ንህዝቢ ሊብያ ነቶም ስደተኛታት ድላዮም ክግብርዎ መገዲ ስለዝኽፈተ ናይ ሞት ስጉምቲ ከይወስደሎም ኣብ ከቢድ ስግኣት ይርከቡ ኣለዉ። ፈቐ ኡ ተዘርዮም ድማ ርድኡና ክብሉ ይጣረዑ ኣለዉ። ኣብ ሊብያ ካብ ዝርክቡ ንኽልት ረኺብና ኣዛሪብናዮም ኣለና። | |||
| ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ሚያዝያ 2025) | 01 Apr 2025 | 00:06:07 | |
ንሎሚ 1 ሚያዝያ 2025 ዝትዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ኣርእስስታት : ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ 3 ግንቦት ንዝግብር ምርጫ ጎስጓስ ምረጹና ጽዒቑ ቀጺሉ፡ ኣብ ሚያንማርን ታይላንድን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ቁጽሪ ምዉታት ይውስኽ፡ ኣብ ሚያንማር ጥራይ ዛጊት ኣስታት 2000 ሰባት ሞይቶም። መራሒት ሰልፊ ሕሉፍ የማናይ ፈረንሳ ማሪን ለ ፐን ፡ ብምጥፍፋእ ገንዘብ ሕብረት ኣውሮጳ ገበነኛ ምዃና ንሓሙሽተ ዓመት ንስልጣን ከይትወዳደር ቤት ፍርዲ ውሲኑ። | |||
| ናዲያ ሓሰን፡ ዕዉቲ ኣብ ቢዝነስ (መልበርን) | 26 May 2025 | 00:10:41 | |
ኣብ ኣውስትራሊያ ንልዕሊ 28 ዓመት ዝተቐመጠት ወይዘሮ ናዲያ ኣብ ማእከል መልበርን፣ ኣብ ፉትስክረይ ኣብ ዝበሃል ዓቢ ናይ ንግዲ ስቶር ኣለዋ። እዚ ኣብ 1996 ዝጀመረቶ ስራሕ ሰለስተ ሰራሕተኛታትን ኣባላት ስድራኣን ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢሩ ዕወት ዝረኸበትሉ ስራሕ እዩ። ኣጀማምራን ኣተዓባብያን እዚ ቢዝነስ ዘጋጥም ጸገማትን፣ ንሎሚ ወይዘሮ ናዲያ ሃሰን ካብተመኩሮኣ ኣካፊላትና ኣላ። እንሆ፡ | |||
| ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (31 መጋቢት 2025) | 31 Mar 2025 | 00:12:17 | |
ኣርእስታት ዜና፥ ወርሒ ረመዳን ተወዲኡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣመንቲ ምስልምና: ዒድ ኣል-ፈጥር ንምኽባር ኣብ ቀጽሪ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝርከብ መስጊድ ኣል-ኣቓሳ ጸሎት ገይሮም ። ፕሬዝዳንት ዩናይትድ ስቴትስ ዶናልድ ትራምፕ ንረቡዕ ሓድሽ ቀረጽ ከምዝገብር ኣብዘፍልጠሉ እቲ ጉዳይ ንናይ ኣውስትራሊያ ፈደራል ምርጫ ጎስጓስ ከየንጸላልዎ ተሰጊኡ ። ኤርትራዊ ኮኾብ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅደድም ብሽግለታ ኸንት ዊቨለኸም ተሳቲፉ ሻብዓይ ወጺኡ፡ | |||
| ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (31 መጋቢት 2025) | 31 Mar 2025 | 00:47:57 | |
ንኹሎም ኣመንቲ እንቋዕ ንመበል 1446 ዓመተ ሂጅርያ በዓል ዒድ ኣልፍጥር ኣብጽሓኩም ዒድ ሙባረክ እናበልና ን ሎሚ 31 መጋቢት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣባላት ማሕበረሰብ ብዛዕባ ዒድ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከነቕርብ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ መበል 1446 ዓመተ ሂጅርያ በዓል ዒድ ኣልፍጥር ብተከተልቲ እምነት እስልምና ኣብ ትግራይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብድሙቕ መልክዑ ተኸቢሩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮ ፈላማይ ዝርርብ ኣካይዱ። ኣብ ትግራይ ልዕሊ 915 ሰብ ሞያ ሕክምና ካብ ስርሖም ለቒቖም ተባሂሉ። ኣብ ኤርትራ ዞባ • ደቡብ - ነቚጣታት መከፋፈሊ ሓይሊ ኤለክትሪክ ይስራሕ ኣሎ፡ ሶማሊላንድ ነቲ ሶማልያ ንኣሜሪካ ክትህቦ ዝወጠነቶ ወደብ ተቓዊማ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ወርሒ ረመዳን ተወዲኡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣመንቲ ምስልምና: ዒድ ኣል-ፈጥር ንምኽባር ኣብ ቀጽሪ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝርከብ መስጊድ ኣል-ኣቓሳ ጸሎት ገይሮም ። ፕሬዝዳንት ዩናይትድ ስቴትስ ዶናልድ ትራምፕ ንረቡዕ ሓድሽ ቀረጽ ከምዝገብር ኣብዘፍልጠሉ እቲ ጉዳይ ንናይ ኣውስትራሊያ ፈደራል ምርጫ ጎስጓስ ከየንጸላልዎ ተሰጊኡ ። ኤርትራዊ ኮኾብ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅደድም ብሽግለታ ኸንት ዊቨለኸም ተሳቲፉ ሻብዓይ ወጺኡ፡ | |||
| መልእኽቲ ዒድ ኣል-ፈጥር ካብ ማሕበረሰብ፡ | 31 Mar 2025 | 00:05:08 | |
ኣብዚ መበል 1446 ዓመተ ሂጅርያ በዓል ዒድ ኣልፍጥር ብተከተልቲ እምነት እስልምና ዝበዓለለሉ ዘሎ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ዘለዉ ኣመንቲ'ውን ብኽብ ዝበለ ስነ ስርዓት ምስ ስድራቤቶ የብዕልዎ ኣለዉ። በዚ ምኽንያት ዒድ መልእኽቶም ዘመሓላለፉ ኣቦ ወምበር ማሕበረሰ ኤርትራውያን ኣብ ቪክቶሪያ ዓብዱልቓድር ኬኪያን ጋዜጠኛ ብርሃን ጃብር እስማዒልን እዮም። | |||
| መበል 1446 ዓመተ ሂጅርያ በዓል ዒድ ኣልፍጥር ብተከተልቲ እምነት እስልምና ኣብ ትግራይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብድሙቕ ተኸቢሩ። | 30 Mar 2025 | 00:06:52 | |
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮ ፈላማይ ዝርርብ ኣካይዱ። ኣብ ትግራይ ልዕሊ 915 ሰብ ሞያ ሕክምና ካብ ስርሖም ለቒቖም ተባሂሉ። ኣብ ኤርትራ ዞባ • ደቡብ - ነቚጣታት መከፋፈሊ ሓይሊ ኤለክትሪክ ይስራሕ ኣሎ፡ ሶማሊላንድ ነቲ ሶማልያ ንኣሜሪካ ክትህቦ ዝወጠነቶ ወደብ ተቓዊማ። | |||
| ኣብ መጻረዪ ግጥም ንዋንጫ ዓለም ኢትዮጵያ ንጂቡቲ 6-1 ስዒራታ፣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕን ደቂ ጋንትኡን ኣብ ቅድሚ ኣሽሓት ደገፍቲ ኒው ካስትል ምረሻ ዓወት ኣካይዶም፣ | 30 Mar 2025 | 00:09:24 | |
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (31/03/2025) * ኤርትራዊ ኮኾብ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅደድም ብሽግለታ ኸንት ዊቨለኸም ተሳቲፉ ሻብዓይ ወጺኡ፡ * ኣብ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 ኢትዮጵያ ንጂቡቲ ብገፊሕ 6-1 ብምስዓር ቀዳማይ ዓወታ ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዓመት ግጥማት ኣመዝጊባ፣ * ዓሰርተታት ኣሽሓት ደገፍቲ ኒውካስትል ዩናይትድ በዓል ኣሌክሳንደር ኢሳቕን ደቂጋንትኡን ዘመዝገብዎ ኣብ ዝሓለፉ 70 ዓመታት ቀዳማይ ጽዋዕ ናይ'ታ ጋንታ ንምብዓል ኣብ ጎደናታት ከተማ ኒውካስትል ተኣኪቦም፣ * ዝሓለፈ ቀዳመሰንበት ድሕሪ ዝተኻየዱ ግጥማት ርብዒ ፍጻመ ዋንጫ ኤፍኤ ካፕ ኖቲንግሃም ፎረስት ኣንጻር ማንቸስተር ሲቲ፡ ክሪስታል ፓላስ ድማ ኣንጻር ኣስቶንቪላ ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ክራኸባ ምዃነን ተፈሊጡ፣ | |||
| What’s Australia really like for migrants with disability? - SBS Examines: ስንክልና ንዘለዎም ሓደስቲ መጻእቲ ሰባት ኣውስትራልያ ከመይ እያ፧ | 27 Mar 2025 | 00:10:43 | |
Disability advocates and experts say cultural stigma and migration laws leave migrants living with disability further excluded and marginalised. - ተጣበቕቲ ኣካለ ስንኩላንን ክኢላታትን፡ ምስ ስንክልና ዝነብሩ ሓደስቲ መጻእቲ ናብ'ዚ ሃገር፡ ድሑር ባህላዊ ኣረኣእያታትን ሕግታት መጻእቲን (ማይግሬሽንን) ኣዝዮም ንጹላትን ግሉላትን ይገብርዎም ይብሉ። | |||
| ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 መጋቢት 2025) | 27 Mar 2025 | 00:13:17 | |
ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ መንግስቱ ፡ ብዝሒ ብስደት ዝ ኣቱ ሰብ ኣመና ኺዛይድ ከም ዝፈቐደ ንዚቐርበሉ ዘሎ ክሲ ነጺግዎ ። ኣብ ሰሜናዊ ጋዛ ዝነብሩ ፍልስጤማውያን ፡ ነቲ ምስ እስራኤል ዝግበር ውግእ ደው ከብሎ ብምጥላብ ፡ ንሓማስ ተቓዊሞኦም ኣስሚዖም። ሰራዊት ሱዳን ንኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ካብ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ (RSF) እንደገና ከምዝተቖጻጸረ ወተሃደራዊ ምንጭታት ሓቢሮም ። | |||
| ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 መጋቢት 2025) | 27 Mar 2025 | 00:50:20 | |
ንሎሚ ሓሙስ 27 መጋቢት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ህወሓት ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንግዝያዊ ፕረዚደነት ትግራይ ዝኸውን ሰብ ንምርቋሕ ንዘቕረቦ ፃውዒት ተቓዊሙ። ጕጅለ ኤርትራውያን ምሁራት፡ ንጠለብ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳያት ቀይሕ ባሕሪ ነጺግዎ መንግስቲ ኤርትራ ምስ መንግስታት ግብጽን ዖማንን ዲፕሎማስያዊ ርክባት ኣካይዱ። ብርጌድ ንሓመዱ ብኣኽበርቲ ሕጊ ጀርመን 'ውሽጣዊ ግብረሽበራዊ ውድብ' ተባሂሉ ብዛዕባ፡ ካብ ስርቂ ምሕላው፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ስርቅን ምጥፍፋእን ምርዳእ። ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ቃለ መሕትት’ውን ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ መንግስቱ ፡ ብዝሒ ብስደት ዝ ኣቱ ሰብ ኣመና ኺዛይድ ከም ዝፈቐደ ንዚቐርበሉ ዘሎ ክሲ ነጺግዎ ። ሞስኮን ዋሽንግተንን ዲፕሎማሲያዊ ተልእኾታት ናብ ንቡር ንምምላስ ዝዓለመ ዝርርብ ንምክያድ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካን ሩስያን ሎሚ ኣብ ኢስታንቡል ይራኸቡ ኣለው ። ኣብ ሰሜናዊ ጋዛ ዝነብሩ ፍልስጤማውያን ፡ ነቲ ምስ እስራኤል ዝግበር ውግእ ደው ከብሎ ብምጥላብ ፡ ንሓማስ ተቓዊሞኦም ኣስሚዖም። ሰራዊት ሱዳን ንኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ካብ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ (RSF) እንደገና ከምዝተቖጻጸረ ወተሃደራዊ ምንጭታት ሓቢሮም ። | |||
| ብርጌድ ንሓመዱ ብኣኽበርቲ ሕጊ ጀርመን 'ውሽጣዊ ግብረሽበራዊ ውድብ' ተባሂሉ። (ጸብጻብ) | 26 Mar 2025 | 00:07:29 | |
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ህወሓት ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንግዝያዊ ፕረዚደነት ትግራይ ዝኸውን ሰብ ንምርቋሕ ንዘቕረቦ ፃውዒት ተቓዊሙ። ጕጅለ ኤርትራውያን ምሁራት፡ ንጠለብ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳያት ቀይሕ ባሕሪ ነጺግዎ መንግስቲ ኤርትራ ምስ መንግስታት ግብጽን ዖማንን ዲፕሎማስያዊ ርክባት ኣካይዱ። ብርጌድ ንሓመዱ ብኣኽበርቲ ሕጊ ጀርመን 'ውሽጣዊ ግብረሽበራዊ ውድብ' ተባሂሉ። | |||
| ካብ ስርቂ ምሕላው፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ስርቅን ምጥፍፋእን ምርዳእ። | 26 Mar 2025 | 00:10:53 | |
ቤትካ ወይ ትሰርሓሉ ቦታ ስራሕካ እንተ ዘይተሰይሩ ፡ ዕድለኛ ክትከውን ኣልካ ። ንሰረቕቲ ምርሓቕ ዝብል መልእኽቲ ካብ ሰራሕቲ መፋትሕን ክኢላታት ጸጥታን ካብ ነበርቲ ኣውስትራልያን ብተደጋጋሚ እትሰምዖ መልእኽቲ እዩ ። እንተዀነ ግን: ስርቂ ብሕጋዊ ዓይኒ ክርአ ከሎ እንታይ ማለት እዩ ? ንገዛእ ርእስኻ ብኸመይ ኢኻ ኽትከላኸለላ እትኽእል ? እቲ ዝኸፍአ እንተ ኣጋጢሙኸ ፡ እንታይ ደገፍ እዩ ዘሎ ? ድሕንነትን ውሕስነትን ምእንቲ ክህልወካ ፡ ነአዚ ኣገዳሲ ሕቶታት እዚ ክንምልሶ ኢና ። | |||
| ጉዳፍ ጸጋይ ኣብ ዛግረብ ተዓዊታ፣ ናሆም ዘርኣይ ኣብ ጃፓን መድረኻዊ ዓወት ኣመዝጊቡ፣ ኤርትራ ምስ ኒጀርን ደቡብ ሱዳንን ክትገጥም'ያ፣ | 25 May 2025 | 00:12:55 | |
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (26/05/2025) * ኢትዮጵያዊት ጉዳፍ ጸጋይ ኣብ’ዚ ዓመት ንፈለማ ግዚኣ ኣብ ውድድር 1500 ሜ ኣብ ዝተሳተፈትሉ ኣብ ዛግረብ ክብረወሰን ናይ’ቲ ውራይ ብምምዝጋብ ተዓዊታ፡ * ኤርትራዊ መንእሰይ ተቐዳዳማይ ናሆም ዘርኣይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ጃፓን መድረኻዊ ዓወት ኣመዝጊቡ፣ * ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ብምኽንያት መበል 34 በዓል ነጻነት ኣንጻር ኒጀርን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ኣስመራ ምሕዝነታዊ ግጥማት ሰሪዑ ከካይድ’ዩ፣ * ኣውስትራልያዊ ኣስልጣኒ ቶተንሃም ሆትስፐር ኣንጅ ፖስትኮግሉ ኣብ ናይ ፍጻመ ግጥም ዩሮፓ ሊግ ጋንትኡ ንማንቸስተር ዩናይትድ 1-0 ስዒራ ተዓዋቲት ክትከውን ሓጊዙ፣ * ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ብዓወት ሊቨርፑል ወቕቱ ብወግዒ ዛዚሙ፣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕን ኒውካስትል ዩናይትድን ኣብ መወዳእታ መዓልቲ እንተተሳዕሩ’ኳ ንዓመታ ሻምፒዮንስ ሊግ ክጻወቱ’ዮም፣ መሓመድ ሳላሕ ብሉጽ ተጻዋታይ ተሰምዩን ወርቃዊ ሳእኒ ተሸሊሙን፣ | |||
| መንግስቲ ሃንደበታዊ ምጉዳል ግብሪ ኣብ ባጀቱ ኣንጸባሪቑ፡ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 መጋቢት 2025) | 25 Mar 2025 | 00:04:53 | |
ንሎሚ 26 መጋቢት 2025 ዝተዳለዉ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፡ ኣርእስታት ** ፈደራል መንግስቲ ሃንደበታዊ ምጉዳል ግብሪ ኣብ ባጀቱ ኣንጸባሪቑ፡ እንተኾነ ተቓዋሚ ሰልፊ ከምዘይግፎ ኣፍሊጡ ... ** ሓደ ቤት ፍርዲ ጃፓን ፡ ኣብታ ሃገር እትርከብ ኣካራኻሪት ቤተ ክርስትያን ሓድነት (Unification Church) ክትዕጾ ኣዚዙ። ** ጋንታ ሶኮሩ ንሃገራዊት ኩዕሶ እግሪ ቻይና 2- ብባዶ ብምስዓር ናብ ዋንጫ ዓለም ምረሻኣ ትቕጽል.. | |||
| “ረመዳን ምስተወደአ ኣብ ልዕሊ’ዞም ስደተኛታት ስጉምቲ ክንወስድ ኢና።” ኣብ ሊብያ ሞት ኣንጽላልይዎም ዘለዉ ስደተኛታት፡ ዝርርብ ምስ ኣብርሃም ተስፋይ | 25 Mar 2025 | 00:14:57 | |
ኣብ ሊብያ ኣስታት 8000 ምዝጉባት ከምኡ ድማ 2000 ዝኾኑ ዘይምዝጉባት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘለዉ ኮይኖም፡ ኣብዚ እዋን ምስ ካልኦት ካብ ኢትዮጵያ ሱዳንን ካልእ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጹ ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ናይ ሞትን ህላወን ኩነታት ይርከቡ። ሓይልታት ጸጥታ ሊብያ ንህዝቢ ሊብያ ነቶም ስደተኛታት ድላዮም ክግብርዎ መገዲ ስለዝኽፈተ ረመዳን ምስተወደአ እቲ "እምነትናን ባህልናን የበላሽዉ ኣለዉ" ኢሉ ንዝኸሶም ዘሎ ስደተኛታት ናይ ሞት ስጉምቲ ከይወስደሎም ኣብ ከቢድ ስግኣት ይርከቡ ኣለዉ። ነዚ ኣመልኪትና ብቐረባ ምስ ዝከታተሎም ዘሎ ኣብርሃም ተስፋይ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ነቲ ኩነታት ኣብሪሁልና ኣሎ። | |||
| ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዖማን ናብ ኤርትራ በጺሑ.... ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 መጋቢት 2025) | 24 Mar 2025 | 00:05:33 | |
ንሎሚ 25 መጋቢት 2025 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኣርእስታት: ** ካብ ቨንዙወላ ነዳዲ ዝዕድጋ ሃገራት ተወሳኺ ግብሪ ክኸፍላ ከምዝግደዳ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣፍሊጡ። ** ሎሚ ምሸት ፌደራል ባጀት ኣብዝግለጸሉ መንግስቲ ዕዳ ከምዘለዎ ዝግለጽ እኳ እኾነ እንትነ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣውስትራሊያ ግና ዕዳኡ ንምኽፋል ንዘለዎ ታሪኽ ይከላከለሉ ኣሎ ... ** ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዖማን ናብ ኤርትራ በጺሑ።.... | |||
| ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 መጋቢት 2025) | 24 Mar 2025 | 00:45:02 | |
ን ሎሚ 24 መጋቢት መጋቢት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኤርትራ “ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ሕጂስ ሓላፍነቱ ክስከም ግቡእ እዩ” ዝብል ጻውዒት ኣቕሪባ። ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፡ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ፕረዚደንት ዓብዱልፋታሕ ኣልሲሲ ኣብጺሑ። ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ዘውፀኦ መግለፂ ኣብ መሬት ዘየለ ክሲ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይን ዕጡቓት ፋኖን ነጺጎምዎ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ትረዠረር ጂም ቻለምስ ፡ መንግስቲ ኣብ ጽባሕ [ሰሉስ] ባጀቱ ኣብ ዘቕርበሉ እዋን ፡ ብዝሒ ኣብ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝኣትዉ ስደተኛታትን ናብ ወጻኢ ዝስደዱን መጠናዊ ለውጢ ከም ዝህሉ ገሊጹ ። እስራኤል ኣብ ጋዛ ደብዳብ ኣብ ዘካየደትሉ እዋን ፡ዕለዋይ መራሒ ፖለቲካ ሓማስ ሳላሕ ኣል-ባርዳዊል ምስ ሰበይቱ ኣብ ጥቓ ክሃን ዮኒስ ተቐቲሎም ። ሓደ ቤት ፍርዲ ቱርኪ ፡ ብክሲ ብልሽውና ተኸሲሱ ኣብ ቀይዲ ዘሎ ከንቲባ ኢስታንቡል ኢክረም ኢማሞግሉ ውጽኢት ፍርዲ ክሳብ ዝርከብ ክእሰር ኣዚዙ ኣሎ ። | |||
| ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 መጋቢት 2025) | 24 Mar 2025 | 00:11:52 | |
ኣርእስታት ዜና፥ ትረዠረር ጂም ቻለምስ ፡ መንግስቲ ኣብ ጽባሕ [ሰሉስ] ባጀቱ ኣብ ዘቕርበሉ እዋን ፡ ብዝሒ ኣብ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝኣትዉ ስደተኛታትን ናብ ወጻኢ ዝስደዱን መጠናዊ ለውጢ ከም ዝህሉ ገሊጹ ። እስራኤል ኣብ ጋዛ ደብዳብ ኣብ ዘካየደትሉ እዋን ፡ዕለዋይ መራሒ ፖለቲካ ሓማስ ሳላሕ ኣል-ባርዳዊል ምስ ሰበይቱ ኣብ ጥቓ ክሃን ዮኒስ ተቐቲሎም ። ሓደ ቤት ፍርዲ ቱርኪ ፡ ብክሲ ብልሽውና ተኸሲሱ ኣብ ቀይዲ ዘሎ ከንቲባ ኢስታንቡል ኢክረም ኢማሞግሉ ውጽኢት ፍርዲ ክሳብ ዝርከብ ክእሰር ኣዚዙ ኣሎ ። | |||
| ጉዳፍ ጸጋይን ፍረወይኒ ሃይሉን ኣብ ናንጂንግ መዳልያታት ወርቂ ንኢትዮጵያ የዕትራ፣ ቢንያም ግርማይ ናብ ቅድድም ተመሊሱ፣ | 23 Mar 2025 | 00:09:34 | |
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (24/03/2025) * ኣብ ኣትለቲክስ ዓለም ውድድራት ውሽጢ ኣዳራሽ ናንጂንግ 2025 ፍረወይኒ ሃይሉን ጉዳፍ ጸጋይን ብዘመዝገበኦም ዓወታት ኢትዮጵያ 2 መዳልያታት ወርቂ ዓቲራ፡ * ኤርትራዊ ኮኾብ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ድሕሪ ዜና ካልኣይ ውላዱ ንፈለማ ግዜ ናብ ቅድድም ተመሊሱ ኣብ ሚላኖ-ሳን ሬሞ ተወዳዲሩ፡ * ሃገራውያን ጋንታታት ኣፍሪቃ መበል 5ይን 6ይን ዙርያ መጻረዪ ግጥማት ካፍ ንዋንጫ ዓለም 2026 ኣብ'ዚ ሒዝናዮ ዘለና ክልተ ሰሙን የካይዳ'ለዋ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ግጥማ ኣንጻር ግብጺ፣ ኮኾብ ተጻዋታይ መሓመድ ሳላሕ ሓንቲ ሽቶ ኣመዝጊቡ ሓንቲ ሽቶ ትኸውን ዕድል ከኣ ፈጢሩ ኣብ ካዛብላንካ 2-0 ተሳዒራ፣ | |||
| ኤርትራ “ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ሕጂስ ሓላፍነቱ ክስከም ግቡእ እዩ” ዝብል ጻውዒት ኣቕሪባ። | 23 Mar 2025 | 00:06:43 | |
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኤርትራ “ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ሕጂስ ሓላፍነቱ ክስከም ግቡእ እዩ” ዝብል ጻውዒት ኣቕሪባ። ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፡ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ፕረዚደንት ዓብዱልፋታሕ ኣልሲሲ ኣብጺሑ። ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ዘውፀኦ መግለፂ ኣብ መሬት ዘየለ ክሲ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይን ዕጡቓት ፋኖን ነጺጎምዎ። | |||
| Why are we debating Welcome to Country? - SBS Examines: ብዛዕባ ደቀባታዊ ልምዳዊ ኣቀባብላ ኣጋይሽ 'Welcome to Country' ንምንታይ ክትዕ ተፈጢሩ፧ | 20 Mar 2025 | 00:08:26 | |
The government's Welcome to Country spending has been heavily criticised but some believe the cultural protocol is being used as a "political football". - መንግስቲ ኣብ ደቀባታዊ ልምዳዊ ስነስርዓት ኣቀባብላ ኣጋይሽ ዝገብሮ ወጻኢታት ገንዘብ ብኸቢድ ተነቒፉ፡ ገሊኦም ግን እዚ ባህላዊ ወይ ልምዳዊ ስነስርዓት ከም 'ፖለቲካዊ ግጥም ኩዕሶ እግሪ' እዮ ዝምዝመዝ ዘሎ ይብሉ። | |||
| ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 መጋቢት 2025) | 20 Mar 2025 | 00:52:11 | |
ንሎሚ ሓሙስ 20 መጋቢት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ክግበር ጸዊዓ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝለዓሉ ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ክህብ ዩ ተባሂሉ። ሚኒስትራት ጉዳያት ኢትዮጵያን ስዑድ ዓረብ ኣብ ክልቲኣዊን ዞባዊን ጉዳያትን ዘትዮም፡፡ ኣብ ትግራይ ካብቲ ሓዱሽ መለለዪ መንነት ወጻኢ ካልእ መለለዪ መንነት ክኽልከል ከም ዝኽእል ተገሊጹ። ኣቦ መበር ጽላል ፖለቲካዊያን ሓይልታት ኤርትራ ኣቶ ገረዝግሄር ተወልደ ኣብ ኒውዚላንድን ኣውስትራሊያን ዑደት ኣብ ዝገበረሉ፡ ብዛዕባ ተሞክሮ ህይወቱን ህሉው ኩነታት ፖሎቲካን ኣብ ስቱድዮ ኤስ ቢ ኤስ መልበርን ኣካፊሉ ኣሎ። ንውላድኩም እቲ ብቑዕን ዝሰማማዕን ተሓጋጋዚ መምህር ከመይ ትመርጹ፡ ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ካናዳ ካብ ኣውስትራሊያ 6.6 ቢልዮን ዶላር ዝዋግ ኡ ካብ ኣመሪካ ናይ መጠንቀቕታ ሓበሬታ ዘመሓላልፍ ራዳር ክትዕድግ ምዃና ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ኣፍሊጡ። እስራኤል ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ልዕሊ 400 ፍልስጢኤማዊያን ኣብ ቓዛ ብምቕታል ስምምዕ ተዂሲ ደው ምባል ኣፍሪሳቶ። ሎሚ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣውስትራሊያ ሶኮሩ ኣንጻር ጋንታ ኢንዶነዥያ ትገብሮ ግጥም እንተሲዒራ ናብ መጻረዪ ዋንጫ ዓለም ክትሓልፍ ዕድላ ከስፍሖ እዩ ። | |||
| ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 መጋቢት 2025) | 20 Mar 2025 | 00:11:17 | |
ኣርእስታት ዜና፥ ካናዳ ካብ ኣውስትራሊያ 6.6 ቢልዮን ዶላር ዝዋግ ኡ ካብ ኣመሪካ ናይ መጠንቀቕታ ሓበሬታ ዘመሓላልፍ ራዳር ክትዕድግ ምዃና ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ኣፍሊጡ። እስራኤል ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ልዕሊ 400 ፍልስጢኤማዊያን ኣብ ቓዛ ብምቕታል ስምምዕ ተዂሲ ደው ምባል ኣፍሪሳቶ። ሎሚ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣውስትራሊያ ሶኮሩ ኣንጻር ጋንታ ኢንዶነዥያ ትገብሮ ግጥም እንተሲዒራ ናብ መጻረዪ ዋንጫ ዓለም ክትሓልፍ ዕድላ ከስፍሖ እዩ ። | |||
| "ከም ሃገራዊ በዓል ብምልኣት ክንጽምብሎ እንተኾይና ሓርንትውን ክረጋገጽ ክኽእል ኣለዎ።" ኽፍለዮሃንስ ተወልደብርሃን (ጎርደን) | 25 May 2025 | 00:17:54 | |
ኣብ ዉሽጢን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ንመበል 34 ዓመተ ነጻነት ኤርትራ የብዕል ኣሎ። ነዚ በዓል ምኽንያት ብምግባር ምስ ጸሓፍን በዓል ሞያ ሕግን ኣቶ ክፍለዮንስ ተወልደብርሃ (ጎርደን) ዝተገብረ ሓጺር ዕላል። | |||
| ሚኒስትራት ጉዳያት ኢትዮጵያን ስዑድ ዓረብ ኣብ ክልቲኣዊን ዞባዊን ጉዳያትን ዘትዮም፡፡ | 19 Mar 2025 | 00:05:23 | |
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ክግበር ጸዊዓ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝለዓሉ ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ክህብ ዩ ተባሂሉ። ሚኒስትራት ጉዳያት ኢትዮጵያን ስዑድ ዓረብ ኣብ ክልቲኣዊን ዞባዊን ጉዳያትን ዘትዮም፡፡ ኣብ ትግራይ ካብቲ ሓዱሽ መለለዪ መንነት ወጻኢ ካልእ መለለዪ መንነት ክኽልከል ከም ዝኽእል ተገሊጹ። | |||
| How to choose the right tutor for your child - ንውላድኩም እቲ ብቑዕን ዝሰማማዕን ተሓጋጋዚ መምህር ከመይ ትመርጹ | 19 Mar 2025 | 00:11:18 | |
Tutoring is a booming industry in Australia, with over 80,000 tutors nationwide. Migrant families often spend big on tutoring, seeing education as the key to success. However, choosing the right tutor is essential to ensure a positive experience and real benefits for your child. - ድሕሪ ስሩዕ ትምህርቲ ወይ ጎድኒ ጎድኑ ዝወሃብ ተወሳኺ ወይ ሓገዝ ትምህርቲ ወይ Tutoring ዓቢይን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎን ጽላት ኣብ ኣውስትራልያ'ዩ፡ ልዕሊ 80ሽሕ ኣብ'ዚ ዝተዋፈሩ ወይ ሓገዝቲ መምሃራን (tutors) ኣብ መላእ ሃገር ኣለዉ። ሓደስቲ መጻእቲ ስድራቤታት ብዙሕ ግዜ ኣብ'ዚ ብዙሕ ገንዘብ የፍስሱ። እንተኾነ ግን ብሓቂ ካብ'ዚ ንክንጥቀምን ኣወንታዊ ተሞክሮ ንምፍጣርን፡ ቅኑዕ ወይ ልክዕ ዝኾነ ሓጋዚ መምህር (tutor) ንደቅኹም ምርካብ ኣገዳሲ'ዩ። | |||
| Islamophobia in everyday life - SBS Examines: ጽልኢ እስልምናን ኣስላምን (Islamophobia) ኣብ ዕለታዊ ናብራ | 18 Mar 2025 | 00:08:51 | |
Against the backdrop of the Israel-Hamas war, incidents of Islamophobia in Australia have surged – whether verbal, physical or online. What's the lasting impact on victims, and what can be done? - ድሕሪ ኲናት እስራኤል-ሓማስ፣ ጽልኢ እስልምናን ኣስላምን ዘንቀዶም በደላትን ተግባራትን ብልዑል ናህሪ ቁጽሮም ወሲኹ - ናይ ቃላት ጸርፊ፣ ኣካላዊ ማህረምቲ ወይ ኦንላይን። ኣብ'ቶም ግዳያት ዝገድፎ በሰላ ግን እንታይ'ዩ፧ እንታይ ከ ክግበር ይከኣል፧ | |||
| ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 መጋቢት 2025) | 18 Mar 2025 | 00:06:05 | |
ንሎሚ 18 መጋቢት 2025 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ኣርእስታት ዜና፡ ** ሰላም ኣብ ዩክረይን ካብዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሎሚ ዝቐረበ ከምዝኾነ ኣመሪካ ገሊጻ፡ ሎሚ ፕረሲደንት ትራምፕን ፑቲንን ብተለፎን ክዘራረቡ ኣብዝዳለዉሉ እዩ ነዚ ዝበሃል ዘሎ። ** ትረዠረር ጂም ቻለምስ እቲ ብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተወስደ ስጉምቲ ቀረጽ ኣብ ልዕሊ ሰደድ ኣውስትራሊያ ኣብ ቁጠባ ከቢድ ዕንወት ከውርድ ከምዝኽእል ኣሚቱ። ** ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ መጠን ቅትለት ናይ ፡ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመት ዝለዓለ ኮይኑ ተረኺቡ ፣ ዛጊት ኣብ 2025 ጥራይ 85 ሰባት ተቐቲሎም ። | |||
| “ኪዳነ ክፍሉ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ሰዲዶ፡ ኣነ’የ ኣብ ኣስመራ ተቐቢለ ናብ ሜዳ ኣፋንየዮ።” ገረዝግሄር ተወልደ | 18 Mar 2025 | 00:31:19 | |
ኣቦ መበር ጽላል ፖለቲካዊያን ሓይልታት ኤርትራ ኣቶ ገረዝግሄር ተወልደ ኣብ ኒውዚላንድን ኣውስትራሊያን ዑደት ኣብ ዝገበረሉ፡ ብዛዕባ ተሞክሮ ህይወቱን ህሉው ኩነታት ፖሎቲካን ኣብ ስቱድዮ ኤስ ቢ ኤስ መልበርን ኣካፊሉ ኣሎ። | |||
| ዕለታዊ ዝኤና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 መጋቢት 2025) | 17 Mar 2025 | 00:10:53 | |
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ኣውስትራልያ ንፈለማ ግዜ ብዛዕባ ምሓዝ ጎዞሞ እገዳ ከቀላጥፍ ምሕጽንታ ቀሪቡ ። ሰበ-ስልጣን መሰዶኒያ ከም ዝገልጽዎ ፡ ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ኮካኒ [ኮሄ-ሹህ-ነዐ] ፡ ኣብ ሓደ ለይታዊ ትልሂት ብውሕዱ 59 ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም ፡ ንሓያሎ ሰባት ኣሲሮም እዮም ። ናይ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ጋንታ ኒውካስል ድሕሪ 70 ዓመት ዋንጫ ዓቲራ። | |||
| ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 መጋቢት 2025) | 17 Mar 2025 | 00:51:34 | |
ን ሎሚ 17 መጋቢት ጥሪ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣብ ከተማ መልበርን ብ ባይቶ ጀበርቲ ኤርትራዊያን ኣውስትራሊያውያን ዝተዳለወ ናይ ኢፍጣር መደብ ብ 16 መጋቢት 2025 ተኻይዱ ነይሩ ብዛዕባቲ መደብ ኣቦ መንበር እቲ ባይቶ ኣቶ ሑሴን ዓብደልዋስዕ ዝሃቦ ርእይቶ ኣሎ ከነቕርቦ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ድሕሪ ወጥሪ ህወሓትን ግዝያዊ ምምሕዳርን ኣብ ትግራይ ቅትለትን መውቃዕቲ ሰባትን ይፍጸም ከም ዘሎ ተገሊጹ። ኣብ ትግራይ ን300 ሽሕ መናእሰይ ዕድል ስራሕ ምፍጣር ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ልምዓት ድሉዋት ከምዝኾኑ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣፍሊጡ። ላዕለዎት ሰብ-መዚ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ሚኒስተር ንግድን ስርሓት ኢጣሊያን ተራኺቦም፡ ምምሕዳር ትራምፕ ንኤርትራን ሶማልያን ሓዊሱ ኣብ 41 ሃገራት እገዳ መገሻ ዘውጽእ ሰነድ ከምዘዳለወ ተገሊጹ። ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ወተሃደራዊ ልኡኽ ሩስያ "ስምምዕ ሓይሊ ባሕሪ" ከምዝፈረመ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጣ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ኣውስትራልያ ንፈለማ ግዜ ብዛዕባ ምሓዝ ጎዞሞ [ማህ-ሸቲ] እገዳ ከቀላጥፍ ምሕጽንታ ቀሪቡ ። ሰበ-ስልጣን መሰዶኒያ ከም ዝገልጽዎ ፡ ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ኮካኒ [ኮሄ-ሹህ-ነዐ] ፡ ኣብ ሓደ ለይታዊ ትልሂት ብውሕዱ 59 ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም ፡ ንሓያሎ ሰባት ኣሲሮም እዮም ። ናይ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ጋንታ ኒውካስል ድሕሪ 70 ዓመት ዋንጫ ዓቲራ። | |||
| "ኣብ እዋን ረመዳን ነቶም ምንጻፎም ሓመድ ጉልባቦም ሰማይ ዝኾኑ ቊሊሕ ንብለሉ እዋን እዩ።" ኣቦ ወምበር ባይቶ ጀበርቲ ሑሴን | 17 Mar 2025 | 00:07:37 | |
ኣብ ከተማ መልበርን ብ ባይቶ ጀበርቲ ኤርትራዊያን ኣውስትራሊያውያን ዝተዳለወ ናይ ኢፍጣር መደብ ብ 16 መጋቢት 2025 ተኻይዱ ነይሩ ብዛዕባቲ መደብ ኣቦ መንበር እቲ ባይቶ ኣቶ ሑሴን ዓብደልዋስዕ ዝሃቦ ርእይቶ ኣሎ ከነቕርቦ ኢና። | |||
| ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሽቶ ኣመዝጊቡ ትጽቢት ልዕሊ 50 ዓመት ንጽዋዕ ጋንትኡ ከምዘብቅዕ ገይሩ፣ | 16 Mar 2025 | 00:13:07 | |
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (17/03/2025) * ሻምፒዮን ኣትሌታት ጽገ ዱጉማን ፍረወይኒ ሃይሉን ኣብ ሻምፒዮናታት ውሽጢ ኣዳራሽ ኣትለቲክስ ዓለም ናንጂንግ 25 ንኢትዮጵያ ወኪለን ካብ ዝሳተፋ ኣትሌታት ምዃነን ተፈሊጡ፡ * ኤርትራውያን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄርን ዝተሳተፍሉ ቅድድም ብሽግለታ ቲረኖ ኣድሪያቲኮ ሰንበት ተዛዚሙ፡ * ሊቨርፑል ካብ ግጥማት ሻምፒዮንስ ሊግ ጋንታታት ኤውሮጳ ድሕሪ ምግላፋ ብኒውካስትል ዩናይትድ ኣብ ዋንጫ ካራቦኣ ካፕ ተሳዒራ፡ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሽቶ ኣመዝጊቡ፣ ናይ ፈለማ ጽዋዑ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዓቲሩ ነቶም ዋንጫ ክረኽቡ ልዕሊ 50 ዓመት ዝተጸበዩ ደገፍቱ ድማ ኣሐጒሱ፣ * ኣብ ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ኖቲንግሃም ፎረስት ተዓዊታ ናይ ሳልሳይ ተርታ ቦትኣ ክተደልድል’ንከላ 2ይቲ ዘላ ኣርሰናል ንቸልሲ ስዒራ ፍልልያ ምስ ሊቨርፑል ተጽብብ፣ | |||
| ድሕሪ ወጥሪ ህወሓትን ግዝያዊ ምምሕዳርን ኣብ ትግራይ ቅትለትን መውቃዕቲ ሰባትን ይፍጸም ከም ዘሎ ተገሊጹ። | 16 Mar 2025 | 00:08:29 | |
ኣብ ትግራይ ን300 ሽሕ መናእሰይ ዕድል ስራሕ ምፍጣር ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ልምዓት ድሉዋት ከምዝኾኑ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣፍሊጡ። ላዕለዎት ሰብ-መዚ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ሚኒስተር ንግድን ስርሓት ኢጣሊያን ተራኺቦም፡ ምምሕዳር ትራምፕ ንኤርትራን ሶማልያን ሓዊሱ ኣብ 41 ሃገራት እገዳ መገሻ ዘውጽእ ሰነድ ከምዘዳለወ ተገሊጹ። ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ወተሃደራዊ ልኡኽ ሩስያ "ስምምዕ ሓይሊ ባሕሪ" ከምዝፈረመ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጣ። | |||
| "ናጽነትና ተሓልያ ክትነብር እንተኾይና ፍልልይ ሓሳብ ብዘየገድስ ንኹላትና ዜጋታት ናይ ልዝብ መድረኽ ክህሉ ኣለዎ።" ሃይለሚካኤል ሊንጎ | 23 May 2025 | 00:14:38 | |
ኣብ ዉሽጢን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ንመበል 34 ዓመተ ነጻነት ኤርትራ የብዕል ኣሎ። ነዚ በዓል ምኽንያት ብምግባር ምስ ስነ ጥበባዊ ሃይለሚካኤል ሃይለስላሴ (ሊንጎ) ሓጺር ዕላል። | |||
| ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 መጋቢት 2025) | 13 Mar 2025 | 00:12:41 | |
ኣርእስታት ዜና፥ ዶናልድ ትራምፕ ንናይ ኣውስትራሊያ ንዘቤታዊ ኢንዱስትሪ ሓጺን ንምድኻም ናይ ንግዲ ቀረጽ ይጥቀም ኣሎ ክብሉ ሰብ መዚ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኣውስትራሊያ ገሊጾም ። ፕረዚደንት ፊሊፒንስ ነበር ሮድሪጎ ዱተርተ ፡ ብሰሉስ [11 / 03 /] ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ማኒላ ብሃንደበት ተታሒዙ ፡ ናብ ሄግ ተወሲዱ። ፖሊስ ኒው ሳውዝ ዌልስ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ምዕራብ ሲድኒ ካብ ዝርከብ መስጊድ ባንዴራ ብምስራቕ ተተሓሒዙ ንሓደ ሰብኣይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮምዎ ኣለዉ ። | |||
| ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 መጋቢት 2025) | 13 Mar 2025 | 00:53:09 | |
ንሎሚ ሓሙስ 13 መጋቢት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣስጋኢ ኮይኑ ዘሎ ኲናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ቅድሚ ምጅማሩ ደው ክብል ክልተ ዓበይቲ ዲፕሎማሰኛታት ሓቲቶም። ኤርትራ ንመግለጺ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ነጺጋ። ፕረዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ኣምሳደራት ዝተፈላለዩ ሃገራት ምዕራባውያን ዘትዮም ። ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ክፋል ህወሓት ማእኸላይ መንግስቲ ናብ ትግራይ ክኣቱ ዝቐረበ ጻውዒት ተቓዊሙ። ሰለስተ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ትግራይ ነቲ ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ዝርከብ ግዝያዊ ምምሕዳር ከምዝድግፉ ኣፍሊጦም። ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ብዙሕነት ቋንቋታት ቀዳሞት ህዝብታት ዝብል ኣርእስቲ ክቐርብ እዩ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ዶናልድ ትራምፕ ንናይ ኣውስትራሊያ ንዘቤታዊ ኢንዱስትሪ ሓጺን ንምድኻም ናይ ንግዲ ቀረጽ ይጥቀም ኣሎ ክብሉ ሰብ መዚ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኣውስትራሊያ ገሊጾም ። ፕረዚደንት ፊሊፒንስ ነበር ሮድሪጎ ዱተርተ ፡ ብሰሉስ [11 / 03 /] ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ማኒላ ብሃንደበት ተታሒዙ ፡ ናብ ሄግ ተወሲዱ። ፖሊስ ኒው ሳውዝ ዌልስ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ምዕራብ ሲድኒ ካብ ዝርከብ መስጊድ ባንዴራ ብምስራቕ ተተሓሒዙ ንሓደ ሰብኣይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮምዎ ኣለዉ ። | |||
| ተሰጊኡ ዘሎ ኲናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ቅድሚ ምጅማሩ ደው ክብል ክልተ ዓበይቲ ዲፕሎማሰኛታት ሓቲቶም። (ጸብጻብ) | 13 Mar 2025 | 00:09:09 | |
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣስጋኢ ኮይኑ ዘሎ ኲናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ቅድሚ ምጅማሩ ደው ክብል ክልተ ዓበይቲ ዲፕሎማሰኛታት ሓቲቶም። ኤርትራ ንመግለጺ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ነጺጋ። ፕረዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ኣምሳደራት ዝተፈላለዩ ሃገራት ምዕራባውያን ዘትዮም ። ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ክፋል ህወሓት ማእኸላይ መንግስቲ ናብ ትግራይ ክኣቱ ዝቐረበ ጻውዒት ተቓዊሙ። ሰለስተ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ትግራይ ነቲ ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ዝርከብ ግዝያዊ ምምሕዳር ከምዝድግፉ ኣፍሊጦም። | |||
© My Podcast Data · Projet indépendant · Données issues d'Apple & Spotify